ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዩኒቨርሲቲ
መቐለ ዝመሃሩ ዘለዉ ተማሃሮ ፅሬቱ ዘይሓለወ ምግቢ ይቐርበልና ኣሎ እናበሉ ከማርሩ ከም ዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት
ድማ ንምንታይ ፅሬቱ ዘይሓለወ ምግቢ እናብላዕኹም ብሕማማት ትቐፅዑና ኣለኹም ብምባል ተቓዉሞ ከካይዱ ኣብ ዝፈተንሉ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ
ዝርከቡ ካድረታት ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምዃን ከም ዝኣገድዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራት
ዝርከቡ ተማሃሮ ንዘሎ ፀገም ምምሕዳርን ጉድለት ፅሬት ምግብን ንክስተኻኸል ዝፅዉዕ ተቓዉሞ ኣካይዶም እኳ እንተነበሩ ክሳብ ሕዚ
ቆላሕታ ገይሩ ፍታሕ ህዝብ ኣካል ከም ዘይተረኽበ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ዝኾነ ይኹን ነባሪ
ከተማ ዓዲ-ግራት ጋዜጣ ወይን ዓዲጉ ክሕዝ ከም ዘለዎ ነዚ ዘይገበረ ዉልቀ ሰብ ከኣ በቲ ገዛኢ ስርዓት ዝሽየጥ መዓልታዊ ጠለባት
ከም ዘይቲ፤ ሽኮርን ፊኖን ዝኣምሰሉ ከይረክ ምኽልካሉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።