Monday, April 20, 2015

ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ፓምፕሌት ከም ዝዘርግሐን በዚ ድማ ካድረታት ህወሓት ኣብ ሓያል ራዕዲ ኣትዮም ከም ዘለዉን ተፈሊጡ፣



ናብ 4 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ኣብ ዘዉግሐ ለይቲ። ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ ዘለዎም ዕላማ ቃልስና ዝገልፁን ንህዝቢ ዘላዓዕሉን ፓምፕሌት ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብ  ብናይ ውሽጢ ኣባላቱን ተጋደልቱ ኣቢሉ ኣብ ዝተፋላለዩ ጎደናታት ድሕሪ ምዝርግሑ። ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ብሕቡእ እናንበቦ ከም ዝርከብን ኣብ ዉድብ ዴምህት ዘለዎ ድጋፍ ብዝተፋላለየ መንገዲ ይገልፅ ከም ዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    እቲ ብዴምህት ዝተበተነ ፓምፍሌታት ህዝቢ የንብቦ ከም ዘሎ ዝፈለጡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ኣዝዮም ስለ ዝተሳናበዱ። ድሕሪ ሰዓት ንኣካላት ፀጥታ ዝኾኑ ዕጡቛት ህፁፅ ኣኼባ ብምፅዋዕ። ፀላእትና ሰሊኾም ኣትዮምና ስለ ዘለዉ ሓለዋን ተፍትሽን ግበሩ ብምባል ሰለ ዘዋፈርዎም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ብዓል ፋሲጋ ኣብ ምኽባር ዝነበረ ህዝቢ ሰላም ዝኸልእ ተግባር ብምፍጣር ንሰላማዉያን ዜጋታት ከንገላትዑ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፣