Monday, April 20, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ህዝብና ብሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ኣዝዩ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ህዝብና ብሕፅረት ኣባይቲ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ጉጅለ ኢህወዴግ ሕፅረት ኣባይቲ ንምፍታሕ ናይ ኮንደምንየም ገዛዉቲ ይሰርሕ ኣለኹ እናበለ ዘቕርቦ መደናገሪ ጎስጓሳት ብተግባር ዝተሰነየ ብዘይ ምዃኑ። ከም ዉፅኢቱ  ብርክት ዝበለ ህዝቢ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ገዛ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ይግለፅ ኣሎ፣
   ብተወሳኺ ድማ እተን ተሰሪሐን ዝብሃላ ናይ ኮንደምንየም ኣባይቲ እንተኾነ ‘ዉን ምስ ነባሪ ህዝቢ እንትነፃፀር ኣዚዩ ዉሕድ ኮይኑ። ንሓደ ክፍሊ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ ዝደሊ ሰብ መጀመርያ 35 ሽሕ ብር ክኸፍል እንትግደድ በብወርሑ ድማ 1,800 ብር ክኸፍል፤ በዓል 2 ክፍሊ መደቀሲ ዘለዎ ገዛ ዝደሊ ድማ መጀመርያ 65 ሽሕ ብር ክኸፍል እንትሕተት በብወርሑ ድማ 2,800 ብር ክኸፍል፤ በዓል 3 መደቀሲ ክፍሊ ዝደሊ ድማ ፈለማ 91 ሽሕ ብር በብወርሑ ድማ ኣስታት 5 ሽሕ ብር ክኸፍል ግድነት ከም ዝዝሕተት እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣
    እዚ ኣሰራርሓ እዚ ድማ ድኻ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ብምዃኑ። ነቲ ዝሕተት ገንዘብ መኽፍሊ ዓቕሚ ብምስኣኑ ገዛ ክረኽበሉ ዝኽእል ዕድል ዘይብሉ እንትኾን፣ ኣብዚ ናይ ኮንደምኒየም ገዛ ቀዳምነት ዕድል ዝዋሃብ ኣባል ኢህወዴግ ክኸዉን ከም ዝሕተትን ንኢህወዴግ ዘይድግፍ እንተኾይኑ። ብግቦን ቤተሰብን  ርኡይ ኣድልዎ ከም ዝፍፀም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣