ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ከተማ
ኣዲስ ኣበባ ብ16 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ንዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ
ሰለማዊ ሰልፊ ሰበብ ብምግባር ብካድረታት እቲ ስርዓት ንተኸታተሊ ሰለስተ መዓልቲ ገምጋም ከም ዝተኻየደሎምን ኣጀንዳ ናይቲ ገምጋም ድማ ኣባል ሰማያዊ ፓርቲ ዝኾኑ እንመን እዮም?፤ ኣተሓባባሪቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ’ኸ
እንመን ነይሮም፤ ወዘተ ዝብል ርእሲ ዋላኳ እንተቕረቡ ውፂኢት ክረኽቡሉ ስለ ዘይከኣሉ ብጅምላ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም
የባርሩን ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ ሰልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት በቲ ተማሃራይ ዝተውሃቦ
እርማት ኣብ ክንዲ ምስትኽኻል ዝኾነ ንስርዓት ኢህወዴግ ዝተቓወመ ተማሃራይ ካብ ትምህርቱ ክባረር’ዩ እናበሉ የፈራርሕዎ ምህላዎም
ተገሊፁ።