እዞም ናይ ማእኸላይ እዝ፤ ናይ መበል 23ን 33ን ክፍለ ሰራዊት ኣባላት ዝኾኑ ወተሃደራት፦ ሓለቓ ሓምሳ ዓሊ እንዴሬ፤ ምክትል ሓለቓ ዓሰረተ
ከበደ ኣበጀ፤ ወተሃደር መሳይ፤ ዝርከብዎም በቶም ሓለፍቶም ዝወርዶም ዘሎ ኣድልዎ ምሕደራን ክብሪ መነባብሮን ክፃወርዎ ሰለ ዘይከኣሉ
ንክፍለ ሰራዊቶም ራሕሪሖም ከም ዝጠፍኡ ምንጭታትና ካብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከምኡ’ውን ፈቓድ ናይ 24ን 48ን ሰዓት ንኽዋሃቦም ብምሕታት ኣብ ከተማ
ሸራሮ ንኽራኸቡ ተቛፂሮም ሓቢሮም ዝጠፍኡ፦ 2ተ ምክትል ሓለቓ ዓሰርተ፤ 3ተ ሓለቓ ዓሰርተ ፤
3ተ ተራ ወተሃደራትን ሓደ ሓለቓ ሓምሳን ብጠቕላላ 9ተ ኣባልት ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ጉጅለ
ኢህወዴግ ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ጥራሕ ኣሃድኦም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ከም ዝጠፍኡ ተፈሊጡ።