Saturday, April 18, 2015

ኣመሓደርትን ካድረታትን ከተማ ሑመራ ንነባሪ ህዝቢ በቢዉልቁ እናረኸቡ እንታይ ትልሚ ኣለካ ንመረፃ ከመይ ተዳሊኻ ኣለኻ እናበሉ ዓቕሉ የፅብብሉ ምህላዎም ተሓቢሩ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዘለዉ ካድረታት ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብታ ከተማ ንዝነብር ሕብረተሰብ ዕለታዊ ስርሑ ንምስላጥ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉን ናብ መንበሪ ገዝኡ እናዘሩን፦ ንዉልቁ እናሰሓቡ እንታይ ትልሚ ኣለካ፤ ንመፃኢ መረፃ ከመይ ተዳሊኻ ንመንግስትኻ’ኸ እንታይ ክተበርክት ኢኻ እናበሉ ብሕቶታት የዋጥርዎን የጨናንቕዎምን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
    ሕብረተሰብ እታ ከተማ ብወገኑ ነቶም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ካድረታትን ኣመሓደርትን እንታይ ስለ ዝደለኹምና ኢኹም ብሰላም ሰሪሕና ናብራና ንከይንመርሕ ብሕቶታት ዓቕልና ተፅቡብልና ዘለኹም?፤ ዘስገአኩም እንተሃልዩ ብግልፂ ተዛረቡ እንተዘይ ኮይኑ ስረኹም ብርእስኹም ኣዉፅእዋ ብዝዓይነቱ ሕቶ ኣይተሸግሩና፤ ዉሽጣዊ ጭንቀትኩም ንባዕልኹም እምበር ንህዝቢ ኣይዉክልን እናበለ ፅልኣቱ ብዘንፀባርቕ ይምልሰሎም ምህላው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣