Thursday, April 23, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህር-ዳር ዝርከብ ትካል ቴለኮሚኒኬሽን ኮርፖሬሽን ብሓሶት ምስክርነት ኣቢሉ። ንብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ናብ ገበን የእቱ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣



     ኣብቲ ስፍራ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ትካል ቴለኮሚኒኬሽን ኮርፖሬሽን  ብሓሶት ተዳልዩ ዝተመለአ ናይ ድምፂ ካሴት ናብ ቤት ፍርዲ ብምስክርነት መልክዕ ብምቕራብ። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ሽርሕታት ይእለም ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
     ካብ’ቶም ኣብ’ዚ ናይ ክፋእ ተግባር ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ትካል፦ ብኣንዱ ኣለም ኣድማሴን ካልኦት መራሕትን ዝተፈብረኸ ውዲት ንኸቕርቡ ኣብ ትሕትኦም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት የገድዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቶም ሰራሕተኛታት ድማ በዚ ቤት ፅሕፈት ቴለኮሚኒኬሽን  ኮርፖሬሽን ብዝረቐቐ መሳርሒ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓሶት ቀረፃ ድምፂ ተቐባልነት ዘይብሉ። ካብ ስነ ምግባር ወፃእ ኮይኑ። ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ምሉእ ብምሉእ ዝጥሕስ እዩ ብምባል ተቓውሞኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። ቅድሚ ገለ ዓመታት እንተኾነ‘ዉን  ሰራሕተኛታት ናይ’ዚ ትካል ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ካብ ስረሖም ክባረሩ ዝኸኣሉ ናይ  ሓሶት  ድምፂ  መሊኦም  ንምስክርነት ናብ ቤት ፍርዲ  ንኸቕርቡ ተኣዚዞም ብዘይምትግባሮም ኮይኑ። ሕዚ’ውን ዕጫ ቀዳሞት ንኸይበፅሖም ከይፈተዉ ብግዴታ  ይሰርሑ ምህላዎም ተገሊፁ፣