Wednesday, April 1, 2015

ኣብ ከባቢ ሑመራ ክሳብ “ትክል ድንጋይ” ዝተብሃለ ቦታ ዝዓረዱ ወተሃደራት ህዝቢ የጋፍዑ ምህላዎም ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ካብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ዝተውፃፅኡ ሓደሽቲ ወተሃደራት ካብ ሑመራ ጀሚሮም ክሳብ ትክል ድንጋይን ካልኦት ከባቢታትን ሰፊሮም ዝርከቡ ሰራዊት ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ህዝቢ ካብ ናብ ተንቀሳቒሱ መነባብርኡ ከይመርሕ ዕንቅፋት ኮይኖሞ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ስነ ምግባር ዘይብሎም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ  ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና  ወሲባዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ስለ ዘለዉ ከም ውፂኢቱ ድማ እዘን ዜጋታት ግዳይ ኤች ኣይቪ ኤድስን ካልኦት ተመሓላለፍቲ  ሕማማት ይኾና ከም ዘለዋን። ከምኡ’ውን ኣቦ ዘይብሉ ቆልዓ ከዕብያ ይግደዳ ብምህላወን። ነበርቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቆምን ኣሕዋቶምን ዝወርድ ዘሎ በደላት ፍታሕ ክግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ እዝኒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ፣