Friday, April 17, 2015

ነበርቲ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ ፈላሲ ዝኾኑ ወገናትና ተሓባበርቲ ውድብ ዴምህት ኢኹም እናተብሃሉ። በቲ ስርዓት ይእሰሩን ይጋፍዑን ምህላዎም ተሓቢሩ፣



  ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ ፈላሲ ዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታትና ተሓባባርቲ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ኢኹም ተባሂሎም ይእሰሩን ይጋፍዑን ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ካብቶም ዝተኣሰሩ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦ ኣርኣያ ይግዛው ኣማሓዳሪ ጣብያ ምድረ ፈላሲዝነበረ፤ ገብረኣምላኽ ካሕሳይ፤ ሕመድ ኣሕመድ፤ ሲራጅ ማሕሙድ፤ ሓጎስ ለገሰ፤ ኣስገዶም ከሰተ፤ ሃደራ ብርሃነ፤ ግደይ ሃደራ፤ ክብሮም ኪሮስ፤ ተስፋሁነይ ሃይለ፤ ፍስሃየ ስብሃቱን ካልኦትን ምዃኖም ተፈሊጡ፣
    እዚ ስግኣት ዝወለዶ ብካድረታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ንፁሃት  ዜጋታት ናይ ምእሳርን ምግፋዕን ተግባር። ኣብ ላዕላይ ኣድያቦ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ መሰል ዜጋታት ናይ ምጥሓስ ተግባር ምዃኑ ምንጭታትና ወሲኹም ኣረዲኦም፣