Friday, April 17, 2015

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ብሰንኪ ሕፅረት ማሕበራዊ መነባብሮ ትምህርቶም ብኣግባቡ ክከታተሉ ከም ዘይከኣሉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ። ተማሃሮ  ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ብሰንኪ ግዕዙይ ዉሽጣዊ ምሕደራ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ማሕበራዊ መነባብሮ ስለ ዝርከቡ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይንዎም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ እቲ ዝቐርብ ባኒ ፅሬቱ ዘይሓለወ፤  ዓቐኑ ድማ ኣዝዩ ትሑትን ተዓቚሩ ካብ ዝፀንሐ ትሕዝቶ ዘይብሉ እኽሊ ስለ ዝስራሕ መቐረት ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዘቃልዖም እቶም ተማሃሮ ይገልፁ፣
    በቲ ሕፅረት ማሕበራዊ መነባብሮ ዝተሳቐዩ ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ  ፍታሕ ንኽግበረሎም ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎም ጥርዓናት ሰማዒ ስለ ዝሰኣኑ። ናይ ተቛውሞ ኣድማ ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝገበረሉ እዋን በቲ ክለዓል ዝኽኣል ናዕቢ ዝሰግኡ  ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ። ቁሩብ ተዓገሱና ከነማሓይሾ ኢና ብዝብል ምሕፅንታ ዋል’ኳ እንተቕረቡ ስምዒት ናይ’ቶም ተማሃሮ ግን ገና ኣብ ሕማቕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣