Wednesday, May 20, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ፖስተራት መረፃ ንከይርኢ ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ጠርኒፎም ነቲ ሕብረተሰብ ቀይዶም ሒዞምዎ ከም ዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



    ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ንምረፃ ዝወዳደሩ ናይ ዓረና ዉድብ ሕፁያት ዝሓዘ ፖስተር ኣብ’ቲ ጎደናታት ዝተለጠፈ ህዝቢ ብበዝሒ እናኸደ ይሪኦ ከም ዘሎ ዝተዓዘቡ ካድረታት ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ነቲ ህዝቢ ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ጉጅለኣዊ ኣሰራርሓ መን እዩ ፖስተር ተቓወምቲ ዝረኣየ፤ መን እዩ ንተቓወምቲ ዝግደሰሎም ዘሎ እናበሉ ኣብ ምቁፅፃርን  ምክትታልን ተፀሚዶም ምህላዎም ተፈሊጡ።
    መራሕቲ ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ዝወዳደሩ ተቓወምቲ ውድባት ክስዕሩ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ዝግኣት ሓዲርዎም ስለ ዘሎ ነቶም ተቓወምቲ ህዝቢ ንከይፈልጦም ፖስተራቶም ኣብ ምቕዳድን ንህዝቢ ምስ ሕፁያት ተቓወምቲ  ተራኽብካ እናበሉ ኣብ ምፍርራሕን ሕሱር ተግባራትን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።