Wednesday, May 20, 2015

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ደመቀ መኮነን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከባቢ ደብረማርቆስ ዘካየዶ ናይ ምረፁኒ ጎስጓስ ብህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ ተፈሊጡ።



ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብቲ ዝወዳደረሉ ከባቢ ደብረ ማርቆስ ናይ ምረፁኒ ጎስጓስ ብ3 ግንቦት 2007 ዓ/ም  ዘካየደ እንትኸውን እቲ ህዝቢ ድማ በብ ሓሙሽተ ዓመት እናመፃኻ ምረፁኒ ትብለና ዘለኻ ንምዃኑ ንህዝቢ እንታይ ሰሪሕኻ? ኣብ እዋን መረፃ ምረፁኒ ምባል‘ምበር ኣብቲ ክልል ይኹን ብጠቕላላ ኣብ ሃገር ዘምፃእኻዮ ለውጢ የለን ስለ’ዚ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ውድብ ኢና ንመርፅ ከም ዝበልዎ ምንጭታትና ሓቢሮም።  
    እቲ ህዝቢ ወሲኹ ንስኻ ብገንዘብ ህዝቢ መነባብሮኻ ቀዪርካ ጥዒምካ ስለ ዘሎ ንሕና ሓሊፉልና ማለት ኣይኮነን፤ ስለዚ ንህዝቢ ጎጃም መፂኻ ምረፁኒ እናበልካ ኣይትሃውኸና እንታይ ኣፍሪኻልና፤ መሰረተ ልምዓት ዝበሃል ዘይረኸብና ህዝቢ ኢና። ሕዚ ንዓኻ ንምርፀሉ ምኽንያት የብልናን ብምባል ዝነፀግዎ እንትኾኑ ካብ’ቶም ብተቓውሞ መልክዕ ሓሳቦም ዝገለፁ ሰባት ድማ ስመኘው ክብረቱን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።