Tuesday, June 2, 2015

ኣምሓዳሪ ወረዳ መረብ ለኸ ልዕሊ 16 ሚልዮን ብር ሰሪቑ ተባሂሉ ብነባሪ ህዝቢ ተኸሲሱ እናሃለወ ክትሓዝ ብዘይ ምኽኣሉ ህዝቢ ተቓዉሞኡ ከም ዘልዓለ ተፈሊጡ።



ካብ’ታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ዋና ኣምሓዳሪ ወረዳ ወረብ ለኸ ተኽልኣብ ዝተብሃለ ካድረ ህወሓት/ኢህወዴግ 16 ሚልዮን ገንዘብ ህዝቢ ሰሪቑ ተባሂሉ ብ13 ግንቦት 2007 ዓ/ም ብነባሪ ህዝቢ ኣብ ዝተኸሰሰሉ ንግዝኡ መረፃ ክሳብ ዝሓልፍ በቲ ስርዓት ተኣሲሩ ፀኒሑ መረፃ ምስ ሓለፈ ድማ ብነፃ ኣብ ርእሲ ምልቃቑ ናብ ክልል ተላኢኹ ምስ ኣባይ ወልዱ ሓላፊ ፖለቲካ ኮይኑ ከም ዝተመደበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነባሪ ህዝቢ ድማ እዚ በዓል ስልጣን ሓላፍነቱ ተጠቕሙ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዘጠፋፍአ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዉዒሉ ይቀፃዕ ኢና ዝበልና’ምበር ስልጣን ስለ ዝወሓዶ ንላዕሊ ኣደይብዎ መዓስ ኢልናኩም ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ሓላፍነትኩም ኣምሓዳሪ ስለ ዘየድልየና ዘረባኹም ኣይንሰምዕን ብምባል ተቓዉሞ ከም ዘልዓለ ተገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ከምዚ ዓይነት ብሚሊዮናት ዝቑፀር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ካብታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ብዝርከቡ ሓለፍትን ሰበስልጣን ብዘለዎም ምትእስሳር ድኻ ህዝብና ድራር ዕለት ሲኢኑ ፈቖዶ ስደትን በረኻን ከርተት እናበለ ከምዚ ዓይነት ምጥፍፋእ መዕለቢ ምሳኑ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።