Tuesday, June 2, 2015

ህዝቢ ከተማ ጎንደር ኢህወዴግ 83 ሚኢታዊ ረኺበ ስዒረ ብምባሉ ነቲ ውፂት ብምቅዋምን ንመድረኽ ብምድጋፍን ኣንፃር ኢህወዴግ ተቓዉሞኡ ይገልፅ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



   ህዝቢ ከተማ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ከቢድ ፅልኣት ከም ዘለዎ ዝገለፁ ምንጭታትና በዚ መሰረት ድማ ኣብ ጎንደር ኢህወዴግ ክምረፅ ኣይኽእልን መድረኽ እዩ ክምረፅ ዝኽእል እናበለ ህዝቢ ክዛረብ ፀኒሑ ድሕሪ እቲ ብ16 ግንቦት ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ግን ኢህወዴግ 83% ድምፂ ረኺበ ስዒረ ብምባል ኣብ’ታ ከተማ ወረቐት ምልጣፉ ስዒቡ ሓያል ህዝባዊ ቁጥዐ ከም ዘኸተለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ንሕና ንመድረኽ እምበር ንኢህወዴግ ኣይመረፅናዮን እቲ ናይ ምርጫ ሳንዱቕ ባዕልኹም ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ኢኹም መሊእኹሞ ብምባል ተቓዉሞኡ የካይድ እኳ እንተሎ ንድምፁ ሰማዒ ኣካል ከም ዘይረኸበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  የረድእ።