Sunday, June 21, 2015

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ምስሉይ መረፃ ንውድቦም ወኪሎም ኣተሓባበርትን ተወዳደርትን ዝነበሩ ክልተ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ዉድባት ካድረታትን ድህንነትን ገዛኢ ስርዓት ብዘዋፈርዎም ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተሓቢሩ።



ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ ቀዳማይ መዋቲ ሳሚኤል ኣወቀ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብቲ ብ16 ግንቦት 2007ዓ.ም ዝተኻየደ ምስሉ መረፃ ንሰማያዊ ፓርቲ ወኪሉ ኣተሓባባርን ንፌዴራል ፓርላማ ተዳዳርን ዝነበረ ብሰኑይ 8 ሰነ 2007 ዓ.ም ካድረታትን ድህንነትን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዘዋፈርዎም ክልተ ሰባት ኣብ ደብረ ማርቆስ ብበትሪ ቀጥቂጦም ዝተቐተልዎ ኮይኖም ሞዋቲ ኣቐዲሙ ብዝበፅሖ ዝነበረ ምፍርራሓት ዕላምኡ ከም ዘይገድፍ ግን ድማ ብልኡዃት እቲ ስርዓት ክቕተል ከም ዝኽእል ኣብ ፌስ ቡክ ፅሑፉ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
መዋት ሳሙኤል ሰሉስ 9/ሰነ/ 2007 ዓ/ም ኣብ ምብራቕ ጎጃም እንዳርባዕተ እንስሳ ቤተክርስቲያን ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ካልኣይ መዋቲ ታደሰ ኣብርሃ ዝተብሃለ ድማ ንተቓዋሚ ዉድብ ዓረና/መድረኽ ወኪሉ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ማይ ካድራ ንክልል ቤት ምኽሪ ተወዳዳርን ኣተሓባባሪ መረፃ ዝነበረ ኮይኑ ብሰሉስ 9 ሰነ 2007 ዓ.ም ለይቲ ኣብ ማይ ካድራ ሰበ ስልጣን ህወሓት/ኢህወዴግ ዘዋፈርዎም ሰለስተ ዕሱባት ብገመድ ሓኒቖም ትንፋሱ ክዕፆ ብምግባር ከም ዝቐተልዎን ቀቲሎም ሞዋቲ’ውን ኣቐዲሙ  ካድረታትን ዕጡቛትን እቲ ስርዓት ክሳብ ኣብ መንበሪኡ ከይዶም የፈራርሕዎ ከም ዝነበሩ ንቀረባ ፈለጡ መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዓፋኒ ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ምስሉይ መረፃ ዝተወዳደሩን ስግኣት ስለዝፈጠርሉ ብበትር ኣብ ምቕጥቃጥን ብገመድን ኣብ ምሕናቕን  ምውፋሩ ናይ ውድቀቱ መርኣያን እዩ ዝብል መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።