Sunday, June 21, 2015

ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ዝርከቡ ብሄረሰብ ቅማንት ሕዚ ‘ዉን ባዕልና ንባዕልና ኢና ንምምሓደር ብምባሎም ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ይቕተሉ ምህላዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ጭልጋ ዝርከቡ ብሄረሰብ ቅማንት ሕገ መንግስቲ ብዘፍቅዶ መሰረት ባዕልና ንባዕልና ኢና ንምሓደር እናበሉ መሰሎም ክሓቱ ፀኒሖም ብኣወንታ ክምለሰሎም ስለ ዘይክኣለ ተቓዉሞ ንምክያድ ኣብ ዝተቀሳቐስሉ ብዕጡቛትን ካድረታትን እቲ ስርዓት ብዝተተኮሰ ጥይት ዝተቐተሉ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከም ዘለዉ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
እቲ ብጥይት ምቕታል ብፍላይ ካብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ጀመሩ ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ምቅዋም ይቕፅለሉ ስለ ዘሎ እቲ ምቕታል ‘ዉን  በቲ ስርዓት ተጣናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣።  
ኣብ ሃገርና ብቋንቋና ኢና ንምሃር ባዕልና ንባዕልና ኢና ንምሓደር ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ክለዓል ፀኒሑ ሕጋዊ ምላሽ ዘይወሃቦ ሕዚ‘ዉን ይልዓል ምህላዉ  ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።