Saturday, July 18, 2015

ኣብ ከተማ ዓድግራት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፅሕ ሓደጋ መኪና ፖሊስ ትራፊክ ብሸለልትነት ስለ ዝሪእዎ ነባሪ ህዝቢ መረረቱ ገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓድግራት ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ስረሖም ብግቡእ ስለ ዘይዋፅኡ ብተሽከርከርቲ ዝበፅሕ ሓደጋ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተበራኸተ ይኸይድ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ  ከም ሰዓቤኑ ድማ ብ2 ሓምለ 2007 ዓ/ም ኣብ ቀበሌ 05  ሓደ ቆልዓ ብመኪና ረጊፁ ዝቐተለ መራሒ መኪና ስኣን ዝከታተል ፖሊስ ትራፍክ ኣምሊጡ ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተታሓዘ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ኣባላት ፖሊስ ትራፊክ  እቲ ገበን ንምክልኻል ይኹን ሓደጋ ንዘብፅሑ መራሕቲ መካይን ንምሓዝ ዓቕሚ ሲኢኖም ዘይኮኑስ፣ ካብ'ቶም መራሕቲ መኻይን ጉቦን ካልእ ጥቕማ ጥቕምን ብምቕባል ዉልቃዊ ህይወቶም ኣብ ምልዋጥ ዝተፀመዱ ብምዃኖም ዝፍጠሮ ዘሎ ሽግር ከም ዝኾነ ነበርቲ ብምረት ይገልፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕሱባት መራሕቲ መካይን ወተሃደራት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ግፍዒ ኣብ ዝፍፅምሉ እዋን ሓታቲ ኣካል ከም ዘይብሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም መርኣያ ናይ'ዚ ድማ ብ30 ሰነ 2007 ዓ/ም ናይ ሓንቲ ወተሃደራዊት ኦራል መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ወተሃደር፣ መምህር መዝገበ ንዝተብሃለ ነባርነቱ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ቀበሌ 04 ንዝኾነ ወገን ረጊፁ ቀቲልዎ ከም ዝኸደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሂወት ሰብ ዘጥፍአ ወተሃደር ግን ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘውዓሎ ኣካል ከም ዘየለ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ተግባር እዚ ድማ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ብፍላይ ድማ ቤተሰብ መዋቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ቅሬትኦም የስምዑ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።