Saturday, July 18, 2015

ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ሓደ ወተሃደር ንሰለስተ ኮሌኔላትን ካልኦት ብርክት ዝበሉን ወተሃደራትን ብምቕታል ዓርሰ ቅትለት ምፍፃሙ ካብቲ ቦታ ምንጭታትና ሓቢሮም።



    ካብ ዉሽጢ ሰሜን እዚ ልሒኹ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝርከቡ ወተሃደራት፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብዝኽተልዎ ከፋፋሊ ኣሰራርሓ ተማሪሮም ዝተፈላለየ ሰጉምቲ ክወስዱ ከም ዝፀንሑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ከም መቐፀልታ ናሃቱ ከኣ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ሓደ ወተሃደር ንስለስተ ኮሎኔላት ምስ ዓጀብቶም ብኣልማሚት ቀቲሉ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝፈፀመ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ስለስተ ኮሎኔላት ኢህወዴግ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንብዙሓት ብኣረሜናዊ ኣሰራርሕኦም ክብደሉ ዝፀንሑ ወተሃደራት ዕግበት ዝተሰምዖ ፍፃመ ኮይኑ፣ ካልኦት ኣዘዝቲ‘ዉን ኣብ ርእሲኦም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከይዉሰድ ኣስጋኢ ኮይንዎም ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።