እቶም ኣመንቲ እስልምና
ድምፅና ይሰማዕ ብምባል ኣብ መስጊድ ሽዋ በር ብዓርቢ ድሕሪ ፀሎት
ጅምዓ ኣብ ዘካየድዎ ተቃውሞ። ብዙሓት መንእስያት ብፌዴራል ፖሊስ
ወያነ ተደብዲቦም ከቢድ ጉድኣት ስለ ዝበፅሖም ናብ ሆስፒታል እቲ ከተማ ምኻዶም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።
ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጡ
ብርክት ዝበሉ መንእስያት ብናይ ፌዴራል ፖሊስ መኻይን ተፃዒኖም ናብ ዘተፈልጠ ስፍራ ከም ዝተወስዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ከምኡ’ዉን
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ሻሸመኔ፤ ጅማ፤ ኣጋሮን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ማእለያ ዘይብሉ ተቓውሞ ከም ዝተኻየደ እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ ገሊፁ።
ከም ዝፍለጥ
ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ኣመንቲ እስልምና ሃይማኖት መሰልና ይተሓሎ ብምባሎም ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርትታት ተዳጒኖም ኣብ
ስቓይ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።