Thursday, August 13, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ደንበጫ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምስቲ ዝተኻየደ መረፃ ብዝተኣሳሰረ ብገዛኢ ስርዓት ምክልባት ይበፅሓና ኣሎ እንትብሉ ጥርዓን ምቕራቦም ካብ'ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



     ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ደንበጫ ኣብ ዉሽጢ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ኣብያተ ፅሕፈት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ተቓወምቲ ዉድባት መሪፅኩም ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ብገዛኢ ስርዓት ብኣዴን ኢህወዴግ ዝተፈላለዩ ጥቕማ ጥቕሚ ከይንረክብ ተኸልኪልና ከምኡ'ዉን ንኽረምታዊ ስልጠና ተመልሚልና ክነብቅዕ ተኸልኪልና ብምባል ጥርዓን ምቕራቦም ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ጥርዓን ዝቐረበሉ ዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ደንበጫ ኣይተ ኤፍሬም ኣብዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ መብራህትን ማይን ሽግራት ምፍታሕ ከይኣኽለና ኣብ ልዕልኡ ካልእ ቃል ምእታዉ ስለ ዘየደሊ እዚ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ከይድኩም ሕተቱ ዝብል ምላሽ ዝሃቦም እንትኾን ምምሕዳር ዞባ ግና ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ምላሽ ከም ዘይሃቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ።