ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ኣብ ዞባ ኣዊ ኣብ ዘለዋ ገለ ወረዳታት ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ንካልኦት
ተቓወምቲ ዉድባት መሪፅኩም ብዝብል ሕዚ'ዉን ተቓወምቲ ኮይኖም ንዝንቀሳቐሱ ዉድባት ዕላማ ብምግላፅ ዝድግፉ ምዃኖም ዝፍለጡ ዜጋታት
ውልቀ መላኺ ገዛኢ ስርዓት ብፍሉይ ሓይሊ ኢሉ ብዘዋቐሮም ጉጅለታት ንብረት ህዝቢ ብጋህዲ ይሰርቁ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብቶም ዝተዋቐሩ ፍሉያት ሓይሊ ኣብ ወረዳ ኣዊ ቀበሌ 01 ምክትል ኣመሓዳሪ ዝኾነ ኣይተ ኣዳነ ክንፉ፤ ኣብ
ወረዳ ኣንከሻ ኣብ ቤት ፅሕፈት ገጠር ልምዓት ሕርሻ ዉሽጢ በዓል ሞያ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣይተ ሃጤን ከምኡ'ዉን ኣብ ከተማ ኮሶበር
በዓል ዋና "ኦባማ ሆቴል"ን ካልኦት ስሱዓት ሰባትን ዝርከብዎም ገዛኢ ስርዓት ነቶም ንስርቂ ዘዋቐሮም ፍሉያት ሓይሊ
ኣተሓባበርቲ ከም ዝኾኑ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።