Tuesday, August 18, 2015

ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጂግጅጋ ዝሰርሑ ተወለድቲ ካልኦት ክልላት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ገዛኢ ስርዓት ብዘዋፈሮም ተለኣኣኽቲ ጭቆና ይበፃሓና ኣሎ ክብሉ መረረቶም ይገልፁ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገዛኢ ስርዓት ብዘዋፈሮም ተወለዲቲ ክልል ሶማል ዝኾኑ ኣብ ገለገለ ኣብያተ ፅሕፈት  ብሓለፍነት ዝተቐመጡ ኣማሓደርቲ ናይ ካልኦት ክልል ተወለድቲ ዝኾኑ ዜጋታት ምስ'ቲ ሕብረተብ ዝነበሮም ርክብ ክልሕልሕን ሕድ ሕዶም ብዓይኒ ፅልኢ ክጠማመቱ ብምግባር የጨናንቕዎም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
  እዚ እከይ ተግባር እዚ ኣብ ምፍፃም ካብ ዝዝርከቡ ተላኣእኽቲ ናይ'ቲ ስርዓት ዋና ኣማሓዳሪን ናይ'ታ ከተማን  ናይ'ታ ከተማ ምክልት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓትን  ገዛውትን ተወለድቲ እቲ ክልል ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ'ቶም ዝፍፅምዎ ዘለው በደላት ድማ ነቶም ነበርቲ እናኣከቡ ገዛ  ከየካርይዎምን እንተተኻርዮም ድማ ተጠቀምቲ ግልጋሎት መብራህትን ማይን ከይኾኑ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቤት ፅሕፈት ምንክልባትን ጭቆናን ክበፅሖም ይግበር ምህላዉ ተፈሊጡ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ  በደል እናኸፍአ ዝኸዶም ዘሎ  ኣብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዲስትርን ከምኡ'ዉን ኣብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓትን ምምሕዳር ገዛውትን፤ ኣብ ዙርያ ወረዳታት ዝርከቡ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓትን ዝሰርሑ ተወለድቲ ኣምሓራን ትግራይን ምዃኖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።