እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ'ቲ
ክልል ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ዝነብሩ ዜጋታትና ካብ ቤት ፅሕፈት ደህንነት ፌዴራል ብዝተላኣኹ ኣባላት ደህንነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይዱ
ወድባት ብምድጋፍ መንእስያት ናብ ግንቦት 7ተን ዴምህትን ትልእኹ ኣለኹም ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ፀለመ ንፁሃት
ዜጋታት እናቐጥቐጡን እናፈራርሑን ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ ከም ቀንዲ
መበገሲ መረዳእታ ዝጥቀምሉ ድማ ተሌቪዥን እሳትን ሬድዮ ተቓወምትን ክተሰምዑ ተረኺብኩም ብዝብል ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ’ቲ ክልል ብናይ ውልቀ መላኺ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተለኣኣኽቲ ብሓሶት እናጠቀኑ ኣብ ገበን ካብ ዝወደቑ ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳታት ኣንከሻ፤ ጓጉሳና ጃዊ ፤ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም
ወረዳታት ቡሬ፤ ሰከላን ወምበርማን፥ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ
ወረዳታት መቄትን ዋድላን ዝርከቡ ንፁሃት ዜጋታት እናሳቐዩ ከም ዝርከቡ ኣብ'ተን ወረዳታት ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ
ኣመልኪቱ።