Tuesday, August 18, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ዝነብሩ ንፁሃት ዜጋታትና ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ትድግፉ ኢኹም ብዝብል ይእሰሩን ይቕጥቀጡን ከም ዘለው ተፈሊጡ።



እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ'ቲ ክልል ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ዝነብሩ ዜጋታትና ካብ ቤት ፅሕፈት ደህንነት ፌዴራል ብዝተላኣኹ ኣባላት ደህንነት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ወድባት ብምድጋፍ መንእስያት ናብ ግንቦት 7ን ዴምህትን ትልእኹ ኣለኹም ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ፀለመ ንፁሃት ዜጋታት እናቐጥቐጡን እናፈራርሑን ምዃኖም  ድሕሪ ምግላፅ ከም ቀንዲ መበገሲ መረዳእታ ዝጥቀምሉ ድማ ተሌቪዥን እሳትን ሬድዮ ተቓወምትን ክተሰምዑ ተረኺብኩም ብዝብል ከም ዝኾነ  ተገሊፁ።
    ኣብ’ቲ ክልል ብናይ ውልቀ መላኺ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተለኣኣኽቲ  ብሓሶት እናጠቀኑ ኣብ ገበን  ካብ ዝወደቑ ኣብ ዞባ ኣዊ  ወረዳታት ኣንከሻ፤ ጓጉሳና ጃዊ ፤ ኣብ ዞባ  ምዕራብ ጎጃም  ወረዳታት  ቡሬ፤ ሰከላን ወምበርማን፥ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳታት መቄትን ዋድላን ዝርከቡ ንፁሃት ዜጋታት እናሳቐዩ ከም ዝርከቡ ኣብ'ተን ወረዳታት ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።