እቲ
ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ቅድሚ ሕዚ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ናይ ቅማንት ናይ መንነት ሕቶ እንትሕተት
ብስራሕ ኣፈፃምነት እናተንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ኮሚቴታት ገሊኦም ብስዉር እናተኣሰሩ ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ እዋን
ንወረዳ ቅማንት ካብ ዝተወሰኑ ቀበሌታት ብተወሳኺ'ዉን ካልኦት ናብቲ ወረዳ መንጎኝነት ዘለዎም 2ተ ቁሸታት ኣለዉ
ብምባሉ ነዚ ስዒቡ ንዝተልዓለ ዕግርግር ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
ካብቲ
ዞባ ከይወፃና፣ ኣብ ወረዳ መተማ ዝነብሩ ሓረስቶት ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ድርቂ ስዒቡ ቀልጢፉ ዝበፅሕ ዝራእቲ ንምዝራእ ዝሓሹ ኣዝርእቲ ክመፃሎም ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም ምንም
ዓይነት ምላሽ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም ብምረት ምግላፆም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።