Wednesday, September 23, 2015

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልምዲ ኣያት ኣደባባይ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ቁፅሪ ክልተ ኮንደሚኒየም ዝርከብ መኽደኒ ኣብ ዘይብሉ ቱቦ ሓደ ህፃን ህይወቱ ከምዝሓለፈ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣



ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ናይቲ ኮንደሚንየም   መብዛሕቲኦም   መሊስካ ምልማዕ ብዝብል ካብ ኣራት ኪሎ ካልኦት ከባቢታትን ከምዝመፁን እቲ ሓደጋ ዝበፀሐ ድማ ናይ ኣይተ እንግዱ ዘለቀ  ውላድ ከምዝኾነን እቲ ፍፃመ ድማ ብ5 መሰከረም 2008 ዓ/ም ከምዝተኸሰተ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣  
    ናይቲ ህፃን ህይወት ኣብ ሓደጋ  ክወድቕ ዝኸኣለ   ናይቲ ገዛውቲ ህንፃ ብእዋኑ  ክውዳእ ብዘይምኽኣሉ፤  ብጉጅለ  ወያነ ኢህወዴግ ናይ ስራሕ  ድኽመት  ምኽንያት ብምዃኑ እቶም ቱቦታት ክፍቲ ብምዃኖምን እቲ ሓደጋ ዝተፈጥረ  ከምዝኾነ ስድራ ናይቲ ህፃን ንገለ  መራኸብቲ ሓፋሽ ገሊፆም፣
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ከባቢ ንመንበሪ ብጣዕሚ ሓደገኛ ከምዝኾነን እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ  ቱቦታት ተዃዒቶም ጥራሕ እምበር መኽደን ዘይተገበረሎም  ብብዝሒ ከምዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ ብዛዕብ እቲ ኩነታት ፍታሕ ንኽግበረሎም ድማ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ  ብ7 መሰከረም 2008 ዓ/ም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣