Wednesday, September 23, 2015

ኢህወዴግ ብዘካይዶ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ክሳራ የጋጥሞ ኣሎ ክብሉ ውሽጠ ሚስጢር ናይቲ ስርዓት ዝፈልጡ ካድረታቱ ይዛረቡ ምህላዎም ገለ ተዓዘብቲ ይገልፁ፣



       ከም ገለፃ  እቶም ተዓዘብቲ ኢህወዴግ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ዝሰርሖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳ ኪሳራ የጋጥሞ ከምዘሎ  ናይ ባዕሉ ካድረታት ይዛረቡ ምህላዎምን እቶም ምኽንያታት ድማ ፤ እቲ ዝስራሕ ዘሎ ዶኪሜንታሪ  ፊልም፤ቃለ መሕተት፤ ሓተታን፤ መግለፅን ህዝቢ ብግልባጡ  እናተርጎመ ከምዘይተቐበሎ፤    ኢህወዴግ ንዝሰርሖም  ሰራሕቲ ውሽጢ ውሽጢ እቲ ህዝቢ  ይነፅጎ ምህላዉን ከምኡዉን ኣብ ዝቐረባ እዋን ናይ ውድብ ዴምህት ኣቦ ወንበር ነበር ሞላ ኣስገዶም  ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እቲ ሓቂ ካልእ እቲ ዘቕርቦ ዘሎ ድማ ካልእ ምዃኑ ተዛሪቦም፣
    እዞም ተዓዘብቲ ወሲኾም ናይ ህዝቢ ስቕታ ብዝምልከት  ድማ  ብሃንደበት ክነቱግ ዝኽእል ህዝባዊ ናዕቢ ከየጋጥም ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ  እዋናት ካድረታት እቲ ስርዓትን ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ይዛረብሉ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ  መረፃ  2007 ዓ/ም እንተኾነውን  እቲ ውድብ 100% ናይ ፓርላም ወንበር ኣሸኒፈ እናበለ ይልፍልፍ ዘሎ ናይ ህዝቢ ብፂሒት ሰለ ዘይሓወሰን፤ ናይ ህዝቢ ልባዊ ድልየት ስለ ዘየሸነፈን   እቲ መረፃ ከም ዝተጭበርበረ  ዘመላኽት እዩ ክብሉ ገሊፆም፣