Monday, October 12, 2015

ንነበርቲ ላዕላይ ኣርማጭሆ ተለኣአኽቲ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዝኾኑ ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ግፍዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ይኣስርዎም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና። ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ላዕላይ ኣርማጭሆ ገጠር ጣብያታት ሙሴ ባንብ፤ ጃኒካው፤ ገንበራን ካልኦት ከባብታትን ንዝርከቡ ንፁሃት ወገናት እቲ ስርዓት ብዘዋፈሮም ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስን ካብ መከላኸሊ ሓይሊ ሰራዊት ዝተዉፃፅኡን  ዓፊኖም ናብ ቤት ማሰርቲ ይዳጉንዎም ምህላዎም ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
 ብምዃኑ ድማ ካብቶም በዚ እከይ ተግባሮም ግዳይ ዝኾኑ ናይ ጣብያ ገንባራ ነብርቲ ሓረስቶት ጥራሕ ንምጥቃስ ዝኣክል፦
1.  ኣይተ ኣረጋው ኣበራ (ኩማንደር ሚልሻ ዝነበረ)
2.  ኣይተ ኣወቀ ጎሉ
3.  ኣይተ ተቀባ ብርሃን
4.  መንእሰይ ቴድሮስ ሙሉ
5.  ወንድሙ ሙሉን ወይዘሮ ደብሬ የኔኣለም ዝተብሃሉ ንፁሃት ገባራት ካብ'ቶም ተዓፊኖም ናብ ትክል ድንጋይ  ፉሉይ ሓይሊ ወታደራዊ ካምቢ ተወሲዶም ዝተኣሰሩ ገሊኦም ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።