Monday, October 12, 2015

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝነብር ህዝቢ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ማሕበራዊ መነባብርኡ ኣብ ምምራሕ ተሸጊሩ ከም ዘሎ ተገሊፁ።




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ብዘጋጥም ዘሎ ፍታሕ ዝሰኣነ ተደጋጋሚ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ብሓፈሻ ነባሪ ህዝቢ ማሕበራዊ መነባብርኡ ኣብ ምምራሕ ዝተሸገረ ኮይኑ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ስራሕቲ ሓፂን መፂን፤ ስራሕቲ ዕንፀይቲ፤ ኣብያተ ምግብን ሆቴላትን ከፊቶም ዝሰርሑ ሰብ ትካላት በቲ ዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ንዘይተደለየ ክሳራ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኤሌክትሪክ ቀትሪ ጠፊኣ ዉዒላ ኩሉ ግዜ ለይቲ ድሕሪ ሰዓት ሓሙሸተ ወይ ሽድሸተ እንተ ተሰደደት 'ዉን እቲ ክሰርሕዎ ዝግብኦም ስራሕ ክሰርሑ ብዘይ ምኽኣሎም ኣደዳ ገዛ ክራይን ዘይሰርሕሉ ግብሪ መንግስቲ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ንግዳያት መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብታ ከተማ ፅሩይ ማይ ኣብ ምብፃሕ 'ዉን ፀገም ከም ዘሎ ምኽንያት ናይ'ዚ ከዓ እቲ ዋና መመንጨዊ ማይ ብኤሌክትሪክ ስለ ዝሰርሕ ኣብቲ ማይ ምብፃሕ ናይ ባዕሉ ምትዕንቓፍ ይፈጥር ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።