Tuesday, January 5, 2016

ረድኤት ምግቢ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ወገናት ብሓፈሻ 18 ሚልዮን ምዃኖም ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ. ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ኣፍሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ. ሓላፊ ወፃኢ ልምዓት ዝኾኑ ጀረሚ ካናንዳይክ  ብኣቋፃፅራ ፈረንጂ ምእታው ሓዱሽ ዓመት 2016 ምኽንያት ብምግባር ምስ ሚድያታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ረዴት ምግቢ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ብጠቕላላ ናብ 18 ሚልዮን ሓፍ ከም ዝበለ ኣረዲኦም።
እቶም በዓል ስልጣን ናይ'ቲ ትካል ኣብ ቃለ መሕትቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓሳብ፣ እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዝ የድልዮም እዩ ክብል ዝገለፆም 10.2 ሚልዮን ወገናት፣ ካብ'ቶም ድሮ ብመርሃ-ግብሪ ሴፍቲኔት ዝተሓቖፉ 8 ሚልዮን ተወሳኺ እዮም ምስ በሉ፣ በዚ መሰረት ከዓ ቁፅሪ ረድኤት ምግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ 18 ሚልዮን እዮም ክብሉ ኣብሪሆም።