Monday, May 27, 2013

ንኣባይ ግድብ ተባሂሉ ዝተቐረበ ንብረታት ብኣካየድቲ ስራሕ እቲ ግድብ እናተሰረቐ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።


     ካብ ኣፍ ስድራቤታትን ካዝና ህዝብን ወግሐ ፀብሐ ኣዋፅእ እናተባሃለ ብዝእከብ ሃፍቲ ሃገር ዝተገዝአ ንብረታት፣ ከም ሲሚንቶን ቴንዲኖን በቶም ነቲ ስራሕ ኽኣልዩ በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓለፍቲ እናተዘምተ ይሽየጥ ከም ዘሎ ወኪላትና  ካብ ከተማ ባህርዳር ኣፍሊጦም።
   ከም መገለፂ ናይዚ ከዓ ብኮድ ሰለስተ 05607 ኣምሓራ ዝታርጋኣ ቮልቮ ዝዓይነታ መኪና ቴንዲኖ ዝፃዓነትን ካልእ ኮድ ሰለስተ 00908 ኣምሓራ ቮልቮ ዝዓይነታ መኪና ሲሚንቶ ተፅዕነን ኣብ ከተማ ባህርዳር ምስ ኣተዋ፤ ነባሪ እታ ከተማ ብዝኾነ ሃፍታም ኣብ እንዳ ኣይተ መንግስቱ  ከም ዝተሸጠ እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ገሊፁ።
   ስለዚ ህዝቢ ገንዘብና ንውልቀ ሰባት መኻዕበቲ ሃፍቶም ይኸውን ኣሎ። ነዚ ዝፈለጠ ነባሪ ከተማ ባህርዳር ድማ ንግድብ እነዋፀኦ ገንዘብ መንግስቲ ብግልፂ መውዓሊኡ የፍልጠና ብምባል ተቓውምኡ የስምዕ ከም ዘሎን ተፈሊጡ።