Saturday, February 27, 2016

ብምኽንያት 19 ለካቲት መበል 15 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ( ዴ.ም.ህ.ት) ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ!!



ኣብ ውሽጥን ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ጅግና ሰራዊትና፤ ኣባላት ውድብናን ደገፍቲ ቃልስናን እንኳዕ ንምጅማር ብረታዊ ቃስልና 19 ለካቲት መበል 15 ዓመት ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና።
ብረታዊ ቃልሲ ክብሃል ከሎ፣ ከቢድን ረዚንን ዋጋ ዝሓትት ከም ዝኾነ ዝስሕቶ ሰብኣዊ ፍጡር የለን። ምኽንያቱ ተገዲድካ እትኣትዎን ናይ መወድእታ መማረፅን ስለ ዝኾነ።
ውድብና ቅድሚ 15 ዓመት ከም'ዚ ሎሚ ነዚ ናይ መወዳእታ መማረፂ ዝኾነ ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ፣ ህዝብና ዝተቓለሰሉን ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዝረኸቦ ዓወትን ተመንጢሉ ንመረጋገፂ ረብሓ ውልቀ መለኽቲ ምስ ወዓለ እዩ።
መራሕቲ ኢህወዴግ ቃልስን መስዋእትን ህዝብና ተበሊፆም ስልጣን ምስ ተቖፃፀሩ፣ ሃንቀውታን ድሌትን ህዝብታት ኣፀልሚቶም ኣብ ክንዲ ህዝቢ ከመይ ገይሩ ተረባሒ ፍረ-ቃልሱ ይኸውን ዝበሉ፣ ከመይ ገይርና ህዝቢ ዓፊና ዕድመ ስልጣና ነናውሕን ውልቃዊ ረብሓታትና ነረጋግፅን ዝብል ፈሊጥ ተኸቲሎም፣ ነቲ ንዓመታት ክካየድ ዝፀነሐ ቃልሲ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ክተርፍ ገይረሞ እዮም።
ውድብና ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ነቲ ብመራሕቲ ኢህወዴግ ዝተፈፀመ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ጥልመት፣ ርእስኻ ኣድኒንካን ሓዚንካን ዝፍታሕ ብዘይ ምዃኑ፣ ሕቶ መላእ ህዝብናን ሕድሪ ሰማእታትናን ንምምላስ፣ ዳግም 19 ለካቲት 1993 ዓ.ም ብረታዊ ቃልሲ ከልዕል ተገዲዱ እዩ።
ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዉሽጢ እዞም 25 ዓመታት ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዓበይቲ ገበናት ክፍፅም ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ዝኸበደን ዝኸፍአን ድማ ህዝብና ካብ መሓውር መንግስቲ ስሩዕ ግልጋሎት ስኢኑ ኣማሪሩ ምላሽ ብምስኣኑ ተስፋ ቆሪፁ ደም እናነበዐ ኣብ ዝርከበሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ ምስሉይ መረፃ ባዕሉ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ህዝብና ኣብ መዋእሉ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰላምን ዴሞክራስን ብሳላ ልምዓታዊ መንግስትና ክቋደስ ብምኽኣሉ ሚኢቲ ካብ ሚኢቲ ድምፁ ብምሃብ መሪፁና እናበሉ ንህዝብና ክሕጭጭሉ ተሰሚዖም እዮም።
ይኹን እምበር ድምፁ ንመን ሂቡ ነፍሲ ወከፍ መራፂ ስለ ዝፈልጥ ብዘረበኦም ከይተደናገረ ድሕሪ መረፃ ኣብ መድረኽ ብግልፂ እቲ ስልጣን ብሓይልኹም ብሒትኩሞ ኣለኹም ግን ስርዓት ምሕደራኹም ኣስተኻኽሉ እንተ ዘይኮይኑ ስልጣንኩም ንህዝቢ ኣረክቡ እናበለ ብተቓውሞ ምሕላፍ ስለ ዝኸልኦም። ህዝብና ብድምፁ ዝሃበና ሓደራ ንምምላስ ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ ብዝብል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መድረኻት ከፊቶም  ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ኣኼባታት ብግዕዙይ ምሕደራ ዓቕሉ ዝፀንቀቐ ህዝቢ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ሃገር ዝመረሐ ስርዓት ክፈጥሮ ዘይኽእል ዓበይቲ ሽግራት ኣብ ዉሽጢ እዚ 25 ዓመታት ዝተፈፀሙ በደላት ገዛኢ ስርዓት እንተቐረበ እኳ፣ ንገብር ኣለና ንመበሊ ነቲ ኣብ ጫፍ ስልጣን ዝርከብ ቀንዲ ዝበስበሰ ገዛኢ ጉጅለ ገዲፎም ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘትኮረ ናይ ሽሞኛታትን ሰራሕተኛታትን ዝተወሰነ ምውራድን ምእሳርን ከርእዩ ምፍታኖም መርኣያ ውድቀት ብልሹው ስርዓቶም ኮይኑ ኣሎ።
ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ወግሐ ፀብሐ ብሚድያታት ህዝቢ ዘደንቁረሉ ዘሎ ሰናይ ምምሕዳር ምንጋስ ዝብል ኣኼባታት መወዳእትኡ እንታይ ዉፅኢት የምፅእ እንተኢልና ድማ ነቲ ሕዚ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ሃገርና ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንፈቱ ጠምዚዝካ ንግዚኡ ንምስጋር ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምፅኦ ዘላቒ ፍታሕ ፍፁም ክህልዎ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ እቲ ሕማም ናይቲ ግዕዙይ ምሕደራ ኣብ ታሕቲ ዘይኮነ ኣብ ርእሲ ስለ ዘሎ። እቲ ርእሲ ክሳብ ዘይተሐከመ ድማ እግሪ ሓኪምካ ምድሓን ኣይከኣልን።
ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ውድብና ካብ ቀደሙ እዚ ብዘይ ዉክልና ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት፣ ሕቶ መላእ ህዝብታት ሃገርና ክምልስ ይኹን ብሰላማዊ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ክእለይ ኣይኽእልን ኢሉ ስለ ዝኣመነ፣ ነዚ ናይ መወዳእታ መማረፂ ዝኾነ ብረታዊ ቃልሲ ክኽተል ዝተገደደ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ! ንዓመታት ክተካይዶ ብዝፀናሕኻ ቃልሲን እናኸፈልካዮ ዝመፃኻ መስዋእትን መረጋገፂ ረብሓን መናውሒ ዕድመ ውልቀ መለኽቲ እንትኾን፣ ብኣንፃሩ ንዓኻ ድማ መጨቆኒኻ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት፣ ነቲ ትማሊ ዝኣትወልካ ዝነበረ ሰሚዕኻ ዘይፅገብ መብፅዓታት ክሒዱ፣ ብመስዋእትኻ ስልጣን ጨቢጡ ኣብ ናይ ዓፈና መርበብ ካብ ዘእትወካ ኣስታት 25 ዓመት ዘቑፀረ እንትኸውን፣ ሎሚ'ውን እንተኾነ ነቲ በስቢሱ ዘብቀዐ ስርዓቱ ድሕሪ እቲ ናይ መረፃ ድራማ ካልእ ናይ ድራማ "ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስ" ዝብል ጭርሖ ሒዙ ንዓኻ ኣኼባታት እናፀወዐ ብዝተፈላለዩ ዘይትግበሩ ቃላት እናኾመረን እናፈራረሐን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ተንኮልን ሽርሕን የብቅዕ ክትብሎ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ፃውዒት የቕርብ።
ዝኸበርካ ጅግና ሰራዊትና! ኣብ'ዞም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ጉዕዞ ቃልስና፣ ኣብ ልዕሊ ፀረ ህዝቢ ሰርዓት ኢህወዴግ እናሓፈስካዮም ዝመፃኻ ዓበይቲ ዓወታት፣ ዕቤት ውድብና ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ክበፅሕ ክእሉ'ዩ። ሕዚ 'ዉን እቲ መፍትሒ እዚ ሒዝካዮ ዘለኻ መስዋእቲ እናኸፈልካሉ ዝመፃኻ ብረታዊ ቃልሲ እዩ እሞ፣ ሕቶ ህዝብኻ ንምምላስን ሕድሪ ስውኣትካ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ተልእኾኻ እናፈፀምካ ከለኻ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓዱሽ ዓመት ዝተወሰኑ ኣብዚ ቃልሲ ዝፀንሑ ውልቀ ሰባት ውልቃዊ ረብሓታቶም ስለ ዝጎደሎም፥ ቃልሲ በቲ ንዉልቆም ዘርብሖም ኣንፈት ክጥምዝዝዎ ስለ ዘይከኣሉን በቲ ኣብዝሓ ተቓላሲ ኣብ መድረኽ ስለ ዝተትሓዙን ተስፋ ቆሪፆም ካብቲ መስመር ቃልሲ ተኣልዮም ኣለዉ። ዝኸብርካ ጅግና ሰራዊትና በዚ ናይ'ዞም ንዓኻ ዘይውክሉ ውሑዳት ጠላማት ከይተፀለኻ ልዕሊ ኩሉ እዋን ኣብ ዕላማኻ ዘርኣኻዮ ፅንዓት ብምድናቕ፣ ሕዚ'ዉን ከም'ቲ ሕሉፍ ህዝብኻ ኣብ ጎንኻ ኣሰሊፍካ ቃልስኻ ኣሕይልካ ክትቅፅል ይግባእ።
ዝኸበረኩም ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና! ሃገርና ኣብ ትሕቲ እዚ ዓፋኒ ስርዓት ካብ ትኣቱ 25 ዓመታት ኣቑፅራ ትርከብ። ኣብ ዉሽጢ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢህወዴግ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ሰፍ ዘይብል ግፍዕን በደልን ክፍፅም ፀኒሑን ኣሎን።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ከብቅዕን ክቕፅልን እንውስኖ ድማ ንሕና ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ብምዃንን ብረት ኣልዒልና ኣብ ምቅላስ ዘለናን ምዃና ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ዕላማና ህዝብና ካብዚ ዓፋኒ ስርዓት ሓራ ምውፃእ እኳ እንትኾነ፣ ገሌና ተቓወምቲ ውድባት ኢህወዴግ ብሰላማዊ መንገዲ ክወርድ ከም ዝኽእል ገይርና መናውሒ ስልጣኑ እንትንኸውን፣ ንሕና ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ እንርከብ ዉድባት ድማ ዝፀንሐና ርክባት እናጠናኸርና ስሙር ቅልፅም ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ፈጢርና ኣብ ልዕሊ ፀላኢ በትርና ነዕርፈሉ ባይታ ክንፈጥር ኣለና።
ስለዚ ሕዚ'ውን ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ደገ እንገብሮ ቃልሲ ሓደ ኣካል ኮይና ነቲ ውፅኢት ዘምፅእ መንገዲ ተኸቲልና ዕድመ እዚ ፀረ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስርዓት ክነሕፅር ይግባእ እንዳበልና፣ ዴምህት ደጊሙ እንኳዕ ንመበል 15 ዓመት 19 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና ይብል።
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት)
ለካቲት 2008 ዓ.ም
ዓወት ንውፅዓት!!

No comments:

Post a Comment