Saturday, February 27, 2016

ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ዝመርሑ መናእሰይ ኣብ ናይ ህዝቢ ንብረት ጉድኣት ኣይነብፅሕን ፣ቃልስና ምስ'ቲ ዓፋኒ ስርዓት እዩ ምባሎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ እቲ ብመናእሰይ ዝምራሕ ተቓውሞ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተጎሃሃረ ከም ዝኸይድ ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብ12 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሻሸመንየ ትርከብ ኣባሮ ትበሃል ቦታ ነቲ ተቓውሞ ዝመርሑ መናሰይ ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ሂወት ንፁህ ወገናን ንብረትን ጉድኣት ኣይነብፅሕን ቃልስና ምስቲ ዓፋኒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እዩ ብዝብል ናይ ሓባር ስምምዕነት ቃል ኪዳን ከም ዝኣተው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን መዓልታዊ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝለዓል ዘሎ ተቓውሞታት ህዝቢ፣ እቲ ስርዓት ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ብሹም ሃይማኖትን ፀረ ሰላምን ፀረ ልምዓትን ዝኾኑ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ዝመርሕዎ እዮም እናበለ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናትና ብዓረር ጥይት ክቕዘፉን ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክደጎኑን እኳ እንተገበረ፣ እንተኾነ ግን በዝን ካልእን ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ክዓግቶ ስለ ዘከኣኣለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝኸፈአ መልክዑ እናምረሐ ይኸይድ  ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ብተወለድቲ ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ መናእሰይ ብ 12 ለካቲት 2008 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሻሸመንየ ትርከብ ኣባሮ ኣብ ትበሃል ቦታ ዘካየድዎናይ ሓባር ስምምዕነት ቃል ኪዳን  ነቲ ስርዓት ዝዐበየ ፈተና ክኸውን እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ምሁራትን  ተንተንቲ ፖሎቲካን ይገልፁ።


No comments:

Post a Comment