Wednesday, February 3, 2016

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቓዉሞ ተማሃሮ ሕዚ 'ዉን ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።









ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ፌደራል ፖሊስ ናብ'ቲ ቀፅሪ ብምእታዉ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ፤  መብራህቲ ብምጥፋእ፤ ፀልማት ጉልባብ ብምግባር፤ ናብ ገዛዉቲ ብሓይሊ ብምእታዉ፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ኣሰቃቒ ድብደባ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ወለጋ ጉሊሶ፤ ጊዳሜ ቀለሜና፤ ሆሮ ጉድሩ ኣመሩ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሰሜን ሽዋ ተማሃሮ ኣቦቴ ተቓዉሞ ዘስምዑ እንትኾኑ፣ ኣብ ነቀምቴ፣ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ሓያል ተቓዉሞ ተላዒሉ ብኣግኣዚ ዝፍለጥ ሰራዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተማሃሮ ጭካነ ብዝተመልኦ ደብዳብ እንተካይድሎም፣ ካብዚ ዘምለጡ ተማሃሮ ድማ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ በረኻ ከይዶም ከም ዝተሓብኡን ተቓዉሞ ናይ'ቶም ተማሃሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ናይ መጀመርያ ፍርቂ ስሚስተር ይፍተኑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣእዳዎም ንላዕሊ ሓፍ ብምባል ተቓዉምኦም ዘስምዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment