Wednesday, February 3, 2016

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄረ ሰባት ኣኝዋክን ንዌርን ዘጋጠመ ግጭት ብርክት ዝበለ ህይወት ከም ዝጠፍአ ተገሊፁ።



እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ኣኝዋክን ኑዌርን ዘጋጠመ ከቢድ ግጭት ቅድም ክብል ቁፅሪ ምዉታት ልዕሊ 20 በፂሑ ዝነበረ እንትኸዉን እቲ ግጭት ይቕፅል ብምህላዉ ድማ ቁፅሪ ምዉታት ክዉስኽ ከም ዝኽእል እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ማዕኸናት ዜና ንነበርቲ መሰረት ብምግባር ከም ዝፀብፀንብዎ በቲ ግጭት ብርክት ዝበሉ ገዛዉቲ ከም ዝተቓፀሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ፅሕፈት ሓዊሱ ባንክታትን ናይ ውልቂ ትካላትን ዝተዓፅዉ እንትኾኑ፣ እቲ ንብርክት ዝበለ መዓልትታት ዝቐፀለ ግጭት፣ ናይ'ቲ ክልል ናይ ትራንስፖርት ቢሮ ሓላፊ ሓዊሱ ናይ 8 ሰባት ህይወት ዝሓላፈ እንትኸዉን፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ክልተ ቦታታት ናይ ቦምብ ምፍንዳእ ሓደጋ ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ናይ'ቲ ክልል ኣባላት ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ሓዊሱ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ኢሎም ብምዉፋር ዝልዓለ ወጥርን ዕግርግርን ከም ዝፈጠሩ ተገሊፁ።
መንቀሊ ናይ'ቲ ግጭት ድማ ቅድሚ 15 መዓልታት ኣብ ናይ'ቲ ክልል ጥዕና ሳይንስ ኮሌጅ ምክትል ዲንን ኣብ መንጎ ናይ ምክትል ፕረዝዳንት ዝኾነ ሽፈርን ብዘጋጠመ ባእሲ ዝተበገሰ እንትኸዉን፣ እቲ ተወላዲ ኣኝዋክ ዝኾነ ሽፈር ብጥይት ኢዱ ዝተሃረመ ኮይኑ፣ በዚ ድማ ናይ ብሄር ግጭት መልክዕ እናሓዘ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment