Monday, March 7, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝርከቡ ነበርቲ ኣመራርሓ ብኣዴን/ኢህወዴግ ዝፈጠርዎ ሽግር ሰናይ ምምሕዳር ብምቅዋም ብ22 ለካቲት 2008 ዓ.ም ሰላምዊ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝነብር ህዝቢ ኣመራርሓ ብኣዴን/ኢህወዴግ ብዝፈጥርዎ ሽግር ሰናይ ምምሕዳር ዝተለዓለ ተቓውሞ፣ ብ22 ለካቲት 2008 ዓ.ም ኣብ ቀበሌታት 04፤ 03፤ 05፤ ከምኡ'ውን 01 ዝነባርነቶም ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ እንትኾኑ፣ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝሓዝዎም ጭርሖታት ዝተወሰኑ ንምጥቃ፣ ፍትሒ ብገንዘብን ብዘመድን ተቐይሩ፤ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ መንግስቲ የብሉን፤ ተወለድቲ ኣምሓራ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ክልላት ሰበ ስልጣን የፃልእዎ ኣለዉ ዝብሉ ብምሓዝ እቲ ሰላምዊ ሰልፊ ምግባሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
ምንጭታትና ከም ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፣ ህዝቢ ኣምሓራ ስርዓት ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ ን25 ዓመታት ዝኣክል ዝኾነ ለውጢ ከየምፅአ ሽግራቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፈአ ይኸይድ ምህላው ወሲኹ ኣረዲኡ።






No comments:

Post a Comment