Monday, March 7, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከባቢ ላሊበላ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብድርቂ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከባቢ ላሊበላ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተገበረ ህዝባዊ ኣኼባ ብጥሜት ምኽንያት ብርክት ዝበሉ ወገናት ብከቢድ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ፣ ከም ሰዓቤኑ ድማ 8 ህፃናት፤ 2 ሽማግለታት፤ 3 መናእሰይ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 13 ሰባት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ህዝቢ ስሞም እናጠቐሰ ብመረረት ከም ዘቃለዖም ተፈሊጡ።
ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ንዝተፈላለዩ ሚድያታት ብተደጋጋሚ ብድርቂ ምኽንያት ሓደ ሰብ ዋላ ይኹን ኣይሞተን ኢናበሉ እንተገለፁ እኳ፣ እቲ ሓቂ ግን በቲ ሽግር ዝተጎደአ ህዝቢ እናቃለዖ ምዃኑ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።


No comments:

Post a Comment