Monday, March 7, 2016

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንዓማፂ ስርዓት ኢህወደግ ራሕሪሖም ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም ንኽቃለሱ ከም ዝኣተው ተፈሊጡ።



ካብ'ቶም ናብ ዴምህት ዝኣተው መናእሰይ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦
1. ኣሉላ ፍትዊ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ብርሽዋ
2. ሽሻይ ጭሮብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወራዓትለ
3. ጎይቶኦም ተስፋይን መርሃዊት ሃይለሚኪአልን ክልቲኦም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን፣
4. ነጋሲ ደስታ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ዛላምበሳ፣
5. ታደሰ ገብረመድህን ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው፣
6. ሸዊት ሓጎስ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ በሪሃ፣
7. ገብሩ ታረቐኝን ታየ ደባልቄን ክልቲኦም ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር እትኾኑ፣
    ጎይቶኦም ተስፋይን ሸዊት ሓጎስን ካብ ዝሃቡዎ ሓሳብ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ንተደራራቢ ሽግር ተሳጢሑ ፀገሙ ፍታሕ ስኢኑ ይነብር ኣሎ ምስ በሉ፣ ብፍላይ ምስ'ቲ ኣብዚ ዓመት ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ዘስዓቦ ጥምየት ነቲ ህፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ብእዋኑ እኹል ሓገዝ ኣብ ክንዲ ክረክብ ምግባር፣ እናተቖራረፀ ደንጉዩ ብምምፃእን ብኣማሓደርቲ ሌላን ጉሌላን እናወፆ ህዝቢ ነኒ ባዕሉ ክመናጨት ይገብርዎ ከም ዘለውን ከምኡ 'ውን እተን ብሹም ንርዳእታ ተባሂለን ዝመፃ ንሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ዝዕደላ ብምዃነን ልዕሊ ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ዘለው ካብኣተን ስለ ዝምገቡ ነቲ ሽግር ኣጋዲዱዎ ከም ዘሎ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment