Friday, April 15, 2016

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣካላት ፍትሒ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሰባት ኣብ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ውሽጢ ብምጥሓሎም ዝግባእ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘየለዉ ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ሓለፍትን ስራሕተኛታትን ኣብያተ ፅሕፈት ፍትሒ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ሽሞቶምን ስራሕ ሞይኦምን ፀግዒ ተጠቕሞም ጉቦ ንዝሃበ ኣገልግሎት እንትህብዎ፣ ጉቦ ንዘይሃበ ተገልጋሊ ድማ ግዜ ቆፀሮ ብምንዋሕ ፍትሒ ኣብ ምዝባዕ ስራሕ ተፀሚዶም ከም ዝፀንሑ ነባሪ ህዝቢ ኣብዚ ሰሙን ተሪር ገምጋም ከም ዘቕረበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ናይ'ቲ ወረዳ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፅነሐ ኤፍሬም ሃይለ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ፣ መዓልታዊ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምስ ጉቦ ዝተኣሳሰሩ እንተዘይ ኮይኖም፣ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ንጎኒ ብምግዳፍ ዘይግብኦ ሃፍቲ ንምኽዕባት ሕጊ ኣብ ምዝባዕ ተፀሚዱ ዝፀነሐ ሰብ ብምዃኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውዒሉ ንኽጥየቕ ህዝቢ ሓሳብ ስለ ዘቕረበ መራሕቲ እቲ መድረኽ ንግዝኡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክውዕል እኳ እንተገብሩ፣ ነባሪ ህዝቢ ግና እቲ ሽሞኛ ዝፈፀሞ ጥፍኣት ተፃርዩ ዝግብኦ ቅፅዓት ክረክብ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሎም ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment