Friday, April 15, 2016

ብሚኒስተር ፍትሒ ዝወፁ ሕግታት ጉድለት ፅሬት ስለ ዘለዎም፣ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽግር እናስዓቡ ከም ዝርከቡ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።



በብግዝኡ ብሚኒስተር ፍትሒ እናረቐቑ ሕገ-ደንቢ ተባሂሎም ንኽፀድቁ ናብ ቤት ምኽሪ ዝቐርቡ ሕግታት፣ ምስ ብዙሕ ሽግራቶም ክፀድቁ ድሕሪ ምግባሮም ኣብ ተግባር እንትረአ ግና ክፍተቱ ጎሊሑ ስለ ዝንፀባረቕ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘይተማለአ ስራሕ ከም ዝስራሕን ዕንቅፍታት ዝበዝሖ ሽግር ንኽፍጠር ጠንቂ እናኾኑ እዮም ብምባል፣ ንፍትሒ ሚኒስተር መሰረት ብምግባር ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ተገምጊሙ።
ሕገ-መንግስቲ መሰረት ዝገበሩ ተብሂሎም ዝረቐቑ ደንብታትን መምርሕታትን ሕጊ ኮይኖም ብፓርላ ቅድሚ ምፅዳቖም ፍትሒ ሚኒስተር ክፍትሾም እንተተገብረ እኳ፣ ፍትሒ ሚኒስተር ግን ንነፍሲ ወከፍ ዓንቀፃት ኣብ ምፍታሽ ሽግር ስለ ዘለዎ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ወፃኢ ስራሕ ናይ ምስራሕ ኣዋጅ ተባሂሉ ዝወፀ ሕጊ ጥራሕ እንትረአ ካብ 20 ዓንቀፅ ንላዕሊ ሽግር ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበ፣ ምምሕያሽ ተገይርሉ ንኽፀድቕ ከም ዝተገብረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ ሓዱሽ ሕጊ መናእሰይ ብዝግባእ ተፈቲሹ ተባሂሉ ዋላ እኳ እንተረቐቐ ኣብ ኣርቀቕቲ ሕግን ፈተሽቲ ረቂቕ ሕግን ኣካላት ፍትሒ ፀገም ናይ ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፣ ክሳብ ሕዚ ዝተፃረየን ዝተስተኻኸልን ሕጊ ከውፅኡ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ኣብ ጥሕሰት ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ናይ ባዕሎም ሓጕፍ ፈጠርትን ኣብ ኣወሃህባ ፍትሒ ቀንዲ ዕንቅፋት ከም ዝኾኑን ተገሊፁ።
               

No comments:

Post a Comment