Wednesday, May 25, 2016

ኣብ ዘፈር ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ 16 ዓለም ለኻውያን ኩባንያታት መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ከካይድዎ ዝፀንሑ ድርድር ብምቁራፁ ጥርዓኖም ናብ ጠቕላይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ከም ዘቕረቡ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኢትዩጵያ ዝተፈላለዩ ብሚሊዮን ዝግመት ሜጋ ዋት ናይ መመንጨዊ ሓይሊ ኢሌክትሪክ  ዓቕሚ ከም ዘሎዋ ዝሓበረ እቲ ሓበሬታ እቲ ዝምንጩ ሓይሊ ድማ ካብ ኢትዩጵያ ሓሊፉ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምሻጥ ዝተፈላለዩ ስምምዓት በቲ ስርዓት እናተኻየደ መፂኡን ኣሎን ድሕሪ ምባል 16 ዓለም ለኻውያን ኩባንያታት ኣብቲ ዓውዲ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋር ከካይድዎ ዝፀንሑ ድርድር ብምቁራፁ ምኽንያት ብ13 ጉንበት 2008 ዓ/ም ናብ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ጥርዓኖም ከም ዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቶም ጥርዓኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር ዘቕረቡ ናይ ደገ ኩባንያታት፣4 ናይ ቻይና፣3 ናይ ኣሜሪካ፣ ፣2 ናይ ካናዳ፣ 2 ናይ ደቡብ ኮርያ፣2 ናይ ፈረንሳይ ፣1 ናይ ቱርኪ፣ 1 ናይ ኦስትርያ፣ 1 ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡዎም እንትኾኑ ፣እዞም ናይ ደገ ኩባንያታት ኣብ ዘፈር ሓይሊ ኢኤሌክትሪክ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋር ምስ ናይ ኢትዩጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ስምምዕነት ሰነድ ተፈራሪሞም ዝተፈላለዩ መፅናዕቲ እናካየዱን እናተደራደሩ ዝፀንሑ እንትኾኑ ብናይ ኢትዩጵያ ቦርድ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓላፊ፣ ብድርድር ዘይኮነስ ብጨረታ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ምኽንያት ነቲ ከካይድዎ ዝፀንሑ ድርድር ውድቂ ገይሩዎ እዩ።
እቶም ኩባንያታት ከካይዱዎ ዝፀንሑ መፅናዕትን ድርድራትን ቡዙሕ ግዜን ናይ ገንዘብ ወፃኢታትን ከም ዝወሰደሎም እንትገልፁ ነቲ ናይ ቦርድ ውሳነ ደጊሙ ንኽፅናዕ ድማ ብጥብቂ ከም ዝሓተቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment