Wednesday, May 25, 2016

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ካብ ውሽጡ ብዝወፅእ ረሳሕ ፈሳሲ ነቲ ከባብን ነባሪ ሕብረተሰብ ቀንዲ ብኽለት ይኸውን ኮይኑ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



እቲ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ዝልሑኽ ፈሳሲ ንንውሕ ዝበለ ግዜታት ዘቑፀረ ኮይኑ ነባሪ ህዝቢ ማዓልታዊ ኣብ ስርሑን ማሕበራዊ ህወቱን እናተፀገመ ንዘቕሩቦም ጥርዓን ይኹን ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክሳብ ሕዚ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ምኽንያት፣ ኣብ ጥዕናን ብኽለት ከባብን ኣብ ዝኸፈአ ደርጃ በፂሑ ከም ዘሎ ብነበርቲ ከተማ መቐለ ከባቢ ምምሕዳር ዓይደር ምሬቶም እናገለፁ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ነበርቲ ከባቢ ምምሕዳር ዓይደር ከም ዝቡሉዎ ብሰንኪ እቲ ዝተበከለ ፈሳሲ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ቁጠባዊ ፀገማትን ተቓሊዕና ኣለና ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ፣ብተወሳኺ ድማ ዕለታዊ መነባብሮና ንምምራሕ ዝተፈላለዩ ሸቐጣሸቐጥ ዘርጊሕና ከይንሰርሕ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ከባብያዊ ብኽለት ንጥዕና ኣስጋኢ ዝኾነ ጨና ብምፍጣሩ ናባና መፂኦም ዘድልዮም ሸቐጣት ዝገዝኡ ዝነበሩ ዓማዊል ንጥዕነኦም ስለ ዝሰጉኡ ኣብ ስራሕና  ዓቡዩይ ዕንቅፋት ኮይንና ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ምምሕዳር ናይቲ ሆስፒታል ብህዝቢ ብዝቐረበሉ ጥርዓንን ሕቶን ነቲ ፀገም ተገንዚቡ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምቕማጥ ዝሃቦ መልሲ ንግዚኡ ዝናብ ዘኒቡ ምስቲ  ፈሳሲ ተሓዊሱ ናብቲ ከባቢ ክፈስስ ኪኢሉ እዩ እንተኾነ ግና በፂሑ ዝበሃል ዘሎ ፀገም ዝተጋነነ ኣይኮነን ብዝብል ዘየዕግብ መልሲ ክህብ ብምኻኣሉ ፣ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ በቲ ዝተውሃበ መልሲ ተቖጢዑ ንዝምልከቶም ላዕለወት ኣመራርሓ ዘመልከተ እኳ እንተኾነ፣ ይኹን 'በር ክሳብ ሕዚ ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ  መፍትሒ ክህብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ተደራራቢ ሽግር ተቓሊዖም ከም ዘሎው እቶም ነበርቲ ኣፍሊጦም።



No comments:

Post a Comment