Friday, May 27, 2016

ብ18 ጉንቦት 2008 ዓ/ም ብጌታቸዉ ኣሰፋ ይምራሕ ዝነበረ ኣኼባ ብሃንደበት ክቋረፅ ከም ዝኸኣለ ተገሊፁ።



ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ናይ ኢህወዴግ ዋና ተልኣኣኺ ዝኾነን ምስ ብሄራዊ ሓበሬታ ዝጠበቐ ርክብ ካብ ዘለዎም ዉልቀሰባት ኣምባሳደር ቀፀላ ምስ ናይ ብሄራዊ ሓበሬታ ሓላፊ ዝኾነ ምስ ጌታቸዉ ኣሰፋ ብምዃን ሃርበኞች ጉንቦት ሳባት ኣብ ኣርባ ምንጭ ንዝወሰዶ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ምዪዪጥ ይገብረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ኮንሶ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት እቲ ስርዓት መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ልዕሊ 55 ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምዉፅኦምን 19 ወታሃደራት ምዉታትን ቁሱላትን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ዝሰምዐ ጌታቸዉ ኣሰፋ ድማ በዚ ተደናጊፁ ነቲ መደረኽ ገዲፍዎ  ክወፅእ ከም ዝተገደደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  ሃርበኞች ጉንቦት ሰባት ኣብ ጎንደር ኣብ ኣርባምንጭ ኣብ ሑመራን መጥቃዕትታት ከም ዝፈፀመን ካብ 24ን 25ን ክፍለጦራት ዝተዉፃእፅኡ ናይ ፀረ ሽበራ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝተገብረ ዉግእ ጉድኣት ከም ዘዉረደን ኣብ ፓርላማ ከይተረፈ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።    




1 comment:

  1. Arbegnoch-Guenbot'7 is fighting against Weyane. What about you? We had a great hope on you TPDM, but after the surrender of Molla Asgedom you are too weak. Please try to rise up soon and fight the fascist Weyane before Ethiopia is disintegrated in to tribalism. God bless Ethiopia.

    ReplyDelete