Friday, May 27, 2016

ኣብ ሃረማያ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ብፌደራል ፖሊስ ይቕጥቀጡ ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።




ኣብ ሃረማያ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ተማሃሮ ናይ መሰል ሕቶ ብምልዓሎም ስዒቡ ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ከቢድ ድብደባ ብምፍፃም፣ ጉድኣት የብፅሑ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣  ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ ቀፃልን ዘየቋርፅን ተቓዉሞ የካይዱ ዘለዉ እንትኾኑ፣ ብተማሳሳሊ ድማ ብ16 ግንቦት  2008 ዓ/ም ሰላማዊ ናይ መሰል ሕቶ ኣብ ልዕሊ ዘልዓሉ ተማሃሮ ፖላዊስ ኣብ ናይ መደቀሲ ክፍልታት እናኣተዉ ከም ዝቐጥቀጥዎምን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብፅሑሎምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

በዚ ናይ ፖሊስ ድብደባ ቁፅሮም ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ዝተቕጥቀጡ እንትኾኑ፣ ካብ 15 ዘይንእሱ ድማ ብኸቢድ ዝተጎድኡ ከም ዝርከብዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ እቶም ተማሃሮ ካብ መደቀሲ ክፍሎም ከይወፁ እቲ ህንፃታት ብፌደራል ፖሊስ ብምኽባቡ ካብቲ ድብደባ ከምልጡ ክብሉ ድማ ሓደ ፌደራል ፖሊስ ደፊኦም ብምድርባይ ጉድኣት ከም ዘብፅሕሉ ተገሊፁ   

እቶም ፌደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተምሃሮ ዝፍፅምዎም ግፍዕታት ካብ ድብደባ ወፃኢ ኣብ ፅሓይ እናምበርከኹ ንሰዓታት ኣብ ፀሓይ ብምስጣሕ  ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀም ዘሎ ድብደባ ኣስካሕካሒ ከም ዝኾነ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።


No comments:

Post a Comment