Friday, May 27, 2016

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጅንካ ህዝባዊ ተቓዉሞ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ደቡብ ኦሞ ዋና ከተማ ጅንካ ናይቲ ዞባ ዋና ኣምሓዳሪ ኣቶ ኣለማዮህ ቦዲ ምስ ህዝቢ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ብዝብል፣ ብ10 ጉንቦት 2008 ዓ/ም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምሓዳሪ ዘለዎ ምረት ዝገለፀ እንትኸዉን፣ እቲ ኣምሓዳሪ ድማ ዋላ'ኳ ከፈራርሕ እንተፈተነ ህዝቢ ግን ነዚ ዕሽሽ ብምባል ‹‹ሕገ-መንግስታዊ መሰልና ይከበር ፣ሕጋዊ ኣሰራርሓ ይስፈን ›› ብምባል ሕቶ ምቕራቡ ተገሊፁ። 
እቲ ህዝቢ ብስፍሓት ካብ ዘልዓሎም ድማ ጠቕላይ ሚኒስተር ሕጋዉያን ናይ ፖለቲካ ዉድባት ዋላ'ኳ እንተዘይተመረፁ ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ክነሳትፎም ኢና ክብሉ ናይ መንግስቶም ኣቕጣጫ ኣቐሚጦም እዮም፣ እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዞባና ክትግበር ኣይርኣናን እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ህዝቢ ምዕፋን ተቓወምቲ ፓርትታት ብሓሶት ምዉንጃልን ምፍርራሕን ኣጠናኺርኩም እናቐፀልኩምሉ ኢኹም ትርከቡ ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ወጢሮም ከም ዝሓዝዎም ተፈሊጡ።  
ብተመሳሳሊ እዉን ብዛዕባ ሕጋዉነትን ሕገ-መንግስታዉነትን ደጋጊምኩም ክትዛረቡ ትስምዑ ኢኹም፣ ኣብዚ ድማ ናይ ዞባና ምክትል ኣምሓዳሪ ኣወቄ ኣይኬ ሽመት ከመይ ኢኹም ትርእይዎ? ኣቶ ኣወቄ ንኽልል ምኽሪ ቤት ኣይተመረፁን ናይ ዞባን ናይ ወረዳን መረፃ ኣይተኻየደን። እዚ ከመይ ብኸመይን ንመንን ወኪሉ እዩ ተሸይሙ? ዝብሉን ካልኦት ተዛመድቲ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከም ዘልዓሉን ኣዕጋቢ መልሲ ከይተዉሃበሎም እቲ መድረኽ ከም ዝተዓፀወን ክፍለጥ ተኻኢሉ።



No comments:

Post a Comment