Saturday, May 28, 2016

ብምኽንያት 20 ጉንበት ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ዝተውሃበ ውድባዊ መግለፂ፣



በዓል ረዚን ታሪኽ ዝኾንካ ክቡር ተቓላሳይ ህዝብና፣ ኣብ ልዕሌኻ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕታት መስፍናውን ፋሽሽታውን ስርዓታት ኣሊኻ፣ ኣብታ ክብርትን ሕፍርትን ዝኾነት ሃገርካ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ስርዓት ተኺልካ፣ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰልካ ንኽተኽብር ን17 ዓመታት ዘካየድካዮ መሪር ደማዊ ኲናት ዛዚምካ፣ ዓወት 20 ጉንበት ካብ ትረግፅ ዛጊድ 25 ዓመታት ተቖፂሮም ኣለዉ። 
እቲ ኣንፃር ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ዘልዓልካዮ ብረት ንምዕዋት ድማ፣ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዘበለ ካብታ ዝነኣሰት ክሳብ እታ መተካእታ ዘይትርከባ ሂወትካ ወፊኻ፣ ዓለም ንኽትኣምኖ ዝኸበዳ ረዚን ታሪኽ ሰሪሕኻ ኢኻ፣ ኣብ ውሽጢ ናይ 17 ዓመት መሪርን ዘስካሕክሕን ዕጥቃዊ ቃልስኻ 'ውን፣ ልዕሊ 60 ሽሕ ሙሩፃት ደቅኻ ገቢርካ፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኸፈልካዮ ስንክልና ናይ ትማሊ ታሪኽካ እዩ።
ዕላማ እቲ ዝኸፈልካዮ መስዋእትን ስንክልናን ድማ ድሕሪ ዓወት 20 ጉንበት ኣብ መላእ ከባብታት ናይ ሃገርና ዝርከቡ ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን፣ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና ረኺቦም ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰሎም ተኸቢሩ፣ ተፈጥራዊ ሓደጋ ድርቅን ኲናትን ኣብ ዝባኖም ዝገደፎ ሕሱም በሰላ ድኽነት ተሓኺኹ፣ ካብ ስደት ዘናግፍ ሙዑሩይ ምምሕዳር ብምስፋን፣ ኣብ ፀጋታት ሃገሮም ማዕረ ተጠቃምነቶም ብምርግጋፅ፣ ተኸባቢሮም ብሰላም ዝነብሩላ ህዝባዊ መንግስቲ ዝተተኸላ፣ ሓንቲ ምዕብልቲ ዴሞክራስያት ኢትዮጵያ ንምህናፅ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን እቲ ህዝባዊ ቃልስኻ ብውሑዳት ጠላማት መራሕቲ ህወሓት-ኢህወደግ ተጨውዩ፣ ነቲ ዝነበረ መቃለሲኻ ዕላማ ራሕሪሖም ኣብ ናይ ውልቃዊ ናብራን ግዕዝይናን ጥሒሎም፣ ናብ ዝኸፈአ ከርፋሕ ናብራ ድኽነትን ስደትን ኣሳጢሖምኻ እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሎሚ ነታ ብመስዋእቲ ደቅኻን ስንክልናኻን ዝረኸብካያ ባይታ፣ ነፃ ኮይንካ ከይትረግፃ፤ መሰልካ ከይትሓትት፤ ከይትውደብ፤ ከይትቃወም ኣብ ልዕሊ መቃብር ሰማእታትካ ዕሾኽ ኣንፂፎም ካብ ዝመርሑኻ ርብዒ ክፍለ ዘመን ኮይኑካ ኣሎ።

ኣብዞም ተቖፂሮም ዘለዉ ናይ ዓፈና ዓመታት ድማ ህወሓት-ኢህወደግ ኣብ መላእ ሃገር ንዴሞክራሲ ዝዕፍን መሓውር ብምዝርጋሕ፣ ብሓልታት ፀፅታ ኣብ ማእኸል ጎልጎል ተሓታቲ ኣካል ኣብዘይብሉ ደቅኻ ብጥይት ሂወቶም እትቕዘፍን፣ ብስውርን ቅሉዑን እናተጨወዩ ሃለዋቶም ክጠፍኡ፣ ከምኡ 'ውን ኣብ ዘይወዓልዎ ገበን ብናይ ፀለመ ክሲ ኣብ ትሕቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣትዮም ንዓመታት ክማስኑ ምርኣይ ዕለታዊ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንፍትሒ፤ ንሰላም፤ ንዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን ክትረክብ ዝኸፈልካዮ ኩለመደያዊ መስዋእትን ስንክልናን ብሰብ ፍሉያት ረብሓ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ጆሆ ተታሒዙ፣ ፍትሒ ንኽትረክብ ገንዘብ እናተሓተትካ፣ ስሉጥ ግልጋሎትን ቅኑዕ ምሕደራን ስኢንካ ላዕልን ታሕትን እናበልካ፣ ናብ ዝኸፈአ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሽግራት ኣቃሊዑካ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘይረአ ብናይ ሓሶት ፀብፃብ ከደናግረካ ዝፀንሐ ዕቤትካን ዕቤት ሃገርካን 'ውን እንተኾነ፣ ኣብዚ ዓመት ብዘጋጠመ ሓደጋ ድርቅን ስዒቡ ዝኽሰት ዘሎ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ማዓልታዊ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ዜጋታት ንምውሓስ ተጓዩ ቅድመ ድልውነት ንኽገብር ዘየኽእሎ ናይ ቃላት ዕቤት ከም ዝኾነ ዕርቃኑ ወፅዩ ኣሎ።
ዝኸበርካ መንእሰይ ሃገርና፣- መንእሰይና ናይዛ ሃገር መሰረት ምዕባለን ለውጥን እኳ እንተኾንካ፣ ኩሉ ዕድላትካን መፃኢ ራኢኻን ብመራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ እናተማእዘነ፣ ነፃነትካን መሰልካን ተዓፊንካ፣ ሓቂ ብምቅላዕኻን ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትካ ብምሕታትካ፣ ብዘይ ወዓልካዮ ገበን ክትሕተትን ብዓይኒ ፀላኢ ክትረአን ተፈሪዱኳ ኣሎ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ብስእነት ስራሕ ተሸጊርካ፣ ተጠቃምነት ግቡእ ዋንነት መሬት ሓሪሙካ ከምኡ 'ውን ነቲ ካብ ኣፉ መንጢሉ ከይተምሃረ ዘምሃረካ ስድራኻ ፃምኡ ንኸይትኸፍሎ ንህወትካ ኣብ ሓደጋ የእትይዎ ኣሎ።
ስለ ዝኾነ እዩ ካብ ሃገርካ ተገዲድካ ናብ ዓድ ጓና ስደት እናወፃእኻ መእለያ ዘይብሉ ስቓይን ኣስካሕኻሒ ዝኾነ ቅትለትን ካልእ መከራን ይወርደካ'ሎ፣ ስለዚ ስደት መፍትሒ ወፅዓኻ ክኸውን ስለ ዘይካኣለ ነቲ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ወገናትካን ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ እናካየደ ዕድመ ስልጣኑ ከናዉሕ ዘይተኣደኑ ፌደራል ፖሊስ፣ ኣግኣዚ ኮማንዶን ፉሉይ ሓይልን ብምልኣኽ ማዓልታዊ ሰላምን ቅሳነትን ኣስኢኑኳ ዘሎ ስርዓት፣ ኣንፃሩ ተላዒልካ ኩሉ ዓይነት ቃልስኻ ብምሕያል መግትኢ ክትገብረሉ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ዕጡቓት ሓይልታት ናይቲ ስርዓት፣- ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ እምቢ ኢሉ ንዝዓመፀ ህዝቢ፣ ብኣፈሙዝ ብረት ብምጭፍጫፍ ፈሪሑ ክሓድር ብምግባር እዩ፣ ናይዚ ቀንዲ ተግበርትን መሳርሕን ገይሩ ዝጥቀመልኩም ዘሎ ድማ፣ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ንዝወፃኹም ዕጡቓት ሰራዊት እዩ፣ ንስኹም ፈለማ ክትዓጥቁ ከለኹም ሃገርኩም ካብ ሕሱም ፀላኢ ክትከላኸሉን ሕገ መንግስቲ ክተኽብሩን ዳኣ እምበር ናይቲ ስርዓት መጋበርያ ብምዃን ህዝቢ ክትጭፍጭፉ ኣይኮንኩምን ዓጢቕኩም።

ስለዚ ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ስርዓት ከም ዘየለ ፈሊጥኩም፣ እዚ ስርዓት 'ዚ ፅባሕ ንጉሆ ብቓልሲ ህዝቢ ክወድቕ ከሎ ናይ ታሪኽ ታሓተቲ ካብ ምዃን፣ እዋን ከይከደኩም ከሎ ምስ ህዝብኹም ክትውግኑን፣ ዓጢቕኩሞ ዘለኹም ብረት ኣብ ክንዲ ናብ ህዝቢ ናብቲ ስርዓት ክተዝርዎን፣ ንለውጢ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተሳተፍቲ ክትኮኑን፣ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ይፅውዕ።
ዝኸበርኩም ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ተካይዱ ዘለኹም ተቓወምቲ ውድባት፣- እዚ ርብዒ ክ/ዘበን ኣቑፂሩ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ሎሚ ክፀንሓሉ ዝኻኣለ ምኽንያት ክትፍትሹ ይግባእ፣ ኢህወዴግ ከም ውድብ መሰረቱ ዝተነቓነቐ ኣብ ህዝቢ ባይታ ዘይብሉ ስርዓት እዩ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኻኣለ ምኽንያት ግን ናትና ናይ ተቓወምቲ ውድባት ድኽመት እዩ ኢልና ንኣምን።

ቃልስና ኣብ ክንዲ ምስቲ ስርዓት ዝኸውን ገለ ውድባት ፖለቲካዊ ብስለት ካብ ዝጎደሎ ፀቢብ ኣራእያ ተበጊስና ንሓደ ብሄር ነፂልና ናይቲ ስርዓት ተረባሕቲ ከም ዝኾነ ገይርና ስለ ንርእዮን፣ ትርጉም ምቅላስና ስሒትና ነቲ ብሄር ክንፃረፍ ስለ ንውዕል፣ እቲ ህዝቢ ከይፈተወ ምስቲ ስርዓት ክፅጋዕ ንገብሮ ኣለና።
ካልእ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ነካይድ ዘለና ውድባት ናይ ብሓቂ ለውጢ ንደሊ እንተዳኣ ኮይንና ኣብ ሓደ ግምባር ክንሰምር ክንዋሃሃድ ሓደ ክንከውን ኣይካኣልናን፣ ነቲ ሕሱም ስቓይ ዘሓልፍ ዘሎ ህዝብና ንሓልየሉን ኣብ ሃገርና ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ንደልን እንተዳኣ ኣለና፣ ፈለማ እዚ ሕቶ እዚ ክንምልስ ይግባእ፣ ቴክነሎጂ ኣብ ዝወለዶም መራኸብቲ ተንጠልጢልና ቱታ ምባል ኣኻሊ ኣይኮነን።  
ንምጥቕላል ናይ ሎሚ 20 ጉንበት ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብዝኸፈአ መልክዑ ሰንሰለት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ዝተበትከሉ፤ ግዕዝይና ኣብ ዝነገሰሉ፤ ዜጋታትና ብውሽጥን ብደገን ብዝመፁ ርህራህየ ዘይብሎም ዕጡቓት ኣብ ዝጭፍጨፍሉ፣ ሕቶ መሰል ዘንቀሎ ህዝባዊ ዓመፅ ኣብ ዝቀፃፀለሉ ዘሎ እዋን ኮይንና ኢና ነሕልፋ ዘለና።
ስለዚ ኣብ ውሽጥን ደገን እትርከብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣንፃር እቲ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወደግ ከይተሓለልካ እተካይዶ ዘለኻ ኩለመደያዊ ቃልሲ ግቡኡካን ህዝባዊ ሓላፍነትካን እዩ'ሞ ዝያዳ ኣሕይልካ ክተቀፃፅሎን ናብ ሓደ መቐይሮ ነጥቢ ክተብፅሖን እናዘኻኸረ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ወትሩ ኣብ ጎንኻ ጠጠው ክብል እዩ።    
                   ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት)
                         20 ጉንበት 2008 ዓ/ም
ዓወት ንውፁዓት!!

1 comment:

  1. Are you sure struggling for the suffering people of Ethiopia or simply counting and celebrating ur day of foundation? Shame on you.

    ReplyDelete