Wednesday, May 25, 2016

ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ሃገርና ንሓደጋ ዉሑጅ ዝተጠቕዑ ብምኻኖም ዜጋታት ክፈናቐሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ኣብ ሃገርና ኣብ ናይ ዝናብ ወቕቲ ንድርቂ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ዝተብሃለ ኤሊኖ ዝተብሃለ ናይ ኣየር ምዝባዕ ተቓራኒ ዝኾነ ድማ  ላኒና ዝተብሃለ ናይ ዉሑጅ ሓደጋ ብተደጋጋሚ ጉድኣት የስዕብ ብምህላዉ፣ እዚ ላኒና ዝተብሃለ ክስተት ብዘስዕቦ ካብ ስሩዕ ዝናብ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ኣብ ዝመፅእ ክራማት ዝኸፍአ ጉድኣት ከስዕብ እዩ ተባሂሉ ይግለፅ ብምህላዉ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ወሰን ሩባታት ዝርከብ ህዝቢ ካብ ቦትኡ ይፈናቐል ከም ዘሎ ተገሊፁ።   
ኣብዚ ሕዚ እዋን 1,5 ሚሊዮን ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ናይ ዉሑጅ ሓደጋ ኣብ ከተማ ኮነ ኣብ ገጠር ከቢድ ጉድኣት ዘዉረደ ኮይኑ፣ እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ድማ ብወገን መንግስቲ ናይ  ሓደጋ ቅድመ ምክልኻል ስራሕቲ ብዘይ ምስርሑ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፣ ሕዚ እውን ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ንሓደጋ ተቓሎዖም ብምህላዎም ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይስደዱ ምህላዎም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment