Friday, May 27, 2016

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ፍርዲ ቤት ጣልቃ ምእታዉ ስርሐይ ከሳልጥ ኣይክኣልኩን ክብል ገሊፁ።



ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዘይምልከቶም ኣብ ስርሐይ ጣልቃ እናኣተዉ የተዓቕፉኒ ኣለዉ ብምባል፣ ምስ ቤት ፅሕፈት ጠቕላይ ሚኒስተር ኣብ ዝርርብ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ምምሕዳር መሬት ንዓይ ዝምልከት እናሃለወ እንተኾነ ግን ኣብያተ ፍርዲ ናይ መሬት ይግብኣኒ ሕቶ እናተቐበሉ ናይ ነብሲ ወከፍ ክርክር ይሰምዑ ኣለዉ ክብሉ ናይ አዲስ አበባ ከተማ መሬት ልምዓትን ማኔጅመንት ቢሮ ሓላፊ አቶ ሰለሙን ሃይለ ጥርዓኑ ዘቕረበ ኮይኑ፣ ብቡዙሓት ሙሁራት ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ዉድቂ ከም ዝገበርዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርድኦ ብ 24 ሕዳር 2008 ዓ/ም ዝወፀ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ክኸዉን ዝወፀ ኣዋጅ፣ ናይ ከተማ መሬት ናይ ምምሕዳር ስልጣን  ከም ዝኾነ ዝተዛረቡ ኣቶ ሰለሙን፣ ብኣንፃሩ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዘልዓሎ ጥርዓን ብናይ ሕጊ ሙሁራት ዓንቀፅ 37 ብምጥቃስ ናይ ዝኾነ ሰብ ጉዳይ ብፍርዲ ክዉሰን ዝግብኦ ጉዳይ ንቤት ፍርዲ ወይ ንኻልእ ብሕጊ ዳኝነት ስልጣን ንዝተዉሃቦ ኣካል ናይ ምቕራብን ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ብምባል ነቲ ናይ ኣቶ ሰሎሙን ሓሳብ ዉድቂ ከም ዝገበርዎ ተፈሊጡ።

No comments:

Post a Comment