Tuesday, June 21, 2016

ብምኽንያት 15 ሰነ ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ዝተውሃበ፣ ውድባዊ መግለፂ፣




ህዝብና ኣብ 1967 ዓ/ም ኣንፃር እቲ ክሳብ ኣፍንጭኡ ዘበናዊ ኣፅዋር ዝዓጠቐ፣ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደርግ ብረት ከልዕል ከሎ፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ በላዒ ሰብ ከም ዝኾነ ጠፊእዎ ኣይኮነን፣ የግዳስ እቲ ስርዓት ‘ውን ካብቲ ቃልሲ ብዘይንእስ ህይወት ሰብ ይበልዕ ስለ ዝነበረ፣ ንውሱን ዓመታት መስዋእቲ ከፊልካ፣ ንዘላኣለም ብሰላም ምንባር ይሓይሽ ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሉ እዩ።

እቲ ዘንቀሎ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ን17 ዓመታት መመላእታ ብዘደንቕ ፅንዓትን ጅግንነትን ዘካየዶ ደማዊ ኲናት፣ ካብ ሕድሕድ ህድሞን ገበላን ትግራይ መስዋእቲ ብሉፃት ሓቲቱ፣ ህዝብና ካብታ ዝነኣሰት ንብረቱ ክሳብ እታ መተካእታ ዘይብላ ሂወቱን ሂወት ሙሩፃት ደቁን፣ ዓይኑ ከይሓሰየ መሪቑ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣወፍዩ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ ብሓያልነቱ ዝእመነሉን ክድፋእ ዘይኽእል ጎቦን እዩ ተባሂሉ ዝግለፅ ዝነበረን ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ፣ ካብ ምድሪ ኢትዮጵያ ሓግሒጉ ክፀርጎን ንሕልፈት ክድርብዮን ከሎ ግን፣ ብለማፅ መንገዲ ኣይኮነን ተጓዒዙ፣ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ምሩፃ ደቂ ህዝቢ ዝዋሓጠ መሪር ኲናት ክሓልፍ ተገዲዱ እዩ።
       
ህዝብና ናብቲ ቃልሲ ብኩሉንትንኡ ተወፍዩ ንመስዋእቲ ክቀዳደም ከሎ መስዋእቲ ጥዒምዎ ከይኮነስ፣ ድሕሪ እቲ መስተንክራዊ ፅንዓቱን መስዋእቱን ሰላም፤ ፍትሒ፤ ምሉእ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ወዘተ ከይተሸራረፉ፣ ኣብ ሃገርና ንኽዓስሉን ህዝቢ ክርባሓሎምን ብዝብል ዕላማ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ካሕዳማት መራሕቲ ህወሓት ነቲ ካብ ኣፉ መንጢሉ ዘዕንገለ፤ ዓፃዊ በሪ ከይገደፈ ምሩፃት ደቁ ንመስዋእቲ ዝገበረ ጅግና ህዝቢ ጠሊሞም፣ ናብ ውልቃዊ ናብራን ግዕዝይናን ጥሒሎም እዮም ጥራሕ ከይኮነስ፣ ብመሰረቱ ነቲ ሓለፋ ብዘለዎ ተወፋይነት መስዋእቲ ዝኸፈለ ተጋዳላይ ‘ውን እንተኾነ፣ ብግቡእ ማህደሩን ታሪኹን ተሰኒዱ ንስድርኡ ከርድእዎ ኣይካኣሉን።

እዞም ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይተኣደነ መብፃዓታት እናኣተውን እናመሓሉን ዝነበሩ ውሑዳት መራሕቲ ህወሓት፣ ዕላማታት ናይቲ ቃልሲ ተግባራዊ ብምግባር ሕቶታት ህዝቢ ክምልሱ፤ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት ከንግሱስ ይትረፍ፣ ኣብ ዲቕ ዝበለ ውልቃውነትን ግዕዝይናን ጥሒሎም ነቲ መሪር ኲናት ዘሕለፈ ተቓላሳይ ህዝብና፣ ናብ መሪር ጥፋኣትን ዕንወትን ኣቃሊዖሞ ይርከቡ።

ዝከበርካ ጅግና ተቓላሳይ ህዝባና፣ እቲ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝወርደካ ዝነበረ ፋሽሽታዊ ጨፍጫፍ ስርዓት ደርግ ኢሰፓ ንኽትገላገል ክትብል፣ ን17 ዓመታት መመላእታ ምስ ዘመናዊ ኣፅዋርን ኣእላፍ ሰራዊትን ገጢምካ ብዘካየድካዮ ሓለፋ ዘለዎ ተወፋይነትን ፅንዓትን፣ ደርግ ዝባሃል ስርዓት ካብ ሱር መሰረቱ ሚሒኻ ክትድርቡዮ እኳ እንተኸኣልካ፣ ካብ ኣብራኻ ዝወፁን ሓዚልካ ዘዕበኻዮምን መራሕቲ፣ መስዋእትኻ ብላሽ ኮይኑ ክተርፍ ምግባሮም ከይኣክል፣ ብሽምካ እናላገፁ ናብ ዘይተፀበኻዮ ጭቆናን መከራን ይመርሑኻ ኣለዉ።

መራሕቲ ህወሓት ነቶም ትማሊ ኣበይ ከም ዝወደቑ ዘይፈልጥዎም ደቅኻ ዓመት መፀ ብሹም መዓልቲ ሰማእታት እናበሉ፣ ንስለ'ታ መዓልቲ ካብ ቃል ዘይሰግር ዝተለመደ መግለፅን መዝሙሩን ካብ ዘስሙዕኻ ርብዒ ዘመን ተቖፂሩ ኣሎ፣ መስዋእቲ ደቅኻ ግን ኣብ ዝነበረ ነይሩ ብሹም መዓልቲ ሰማእታት ቃሎም ኣይነዕብርን ኢሉ ሽምዓ ወሊዑ ዝምድር ስርዓት ንምትካል ኣይኮነን ነይሩ።

መስዋእቲ ደቅኻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ጭቆናን መግረፍትን ከብቅዕ፣ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና ክረክብ፣ ልዕልነት ሕጊ ተኸቢሩ ሰላም ክዓስል፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ ብዝግባእ ተሓልይሉ ዝመሰሎ ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን ክሕዝን ክድግፍን፣ ነፃነቱ ተኸቢሩ ናብ ዝመሰሎ ከባብታት ናይ ሃገሩ ወፊሩ ክሰርሕን ክሓድርን ዘኽእሎ፣ ንተግባራውነቶም ዝቃለስን ዝከታተልን ስርዓት ንምትካል እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ተበሊፆም ናብ ስልጣን ዝተቖናጠጡ ውሑዳት መራሕቲ ህወሓት፣ ንዕድመ ስልጣኖም ብዘናውሕ መንገዲ ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኢትዮጵያውያን ሓድነቶም በታቲኑ ብጎቦ ዓይኒ ክጠማመቱ፣ ብፍላይ ድማ ካብ ኩቱር ፅልኢት ናይቶም መራሕቲ ዝብገስ እቶም ካልኦት ብሄራት ንህዝቢ ትግራይ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ከሕድርሉ ንሰምዕን ንዕዘብን ኣለና።

ህወሓት ግን ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘይውክሎ፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብጥልመት ደቢስዎ እዩ፣ ስለዚ ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ማለት ህወሓት፣ ህወሓት ማለት ህዝቢ ትግራይ፣ ዘይነፃፀሉ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገፅ እዮም ዝብል ናይ ገለ ገለ ግጉይ መረዳእታ፣ ግዜ ከይሃብካ ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝግባእ ድኹም ኣታሓሳስባ እዩ፣ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ናይ ሰማይን መሬትን ኣፈላላይ ዘለዎም ክልተ ተፃረርቲ ሓይልታት እዮም።  

ህወሓት ማለት ህዝቢ ትግራይ እንተዝኸውን፣ ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ ተረባሕን ተጠቃምን እንተዝኸውን፣ እዚ ብዴምህት እናተመረሐ ዝካየድ ዘሎ ኣንፃር ህወሓት ኢህወዴግ ዝቐነዐ ብተጋሩ ዝተመስረተ ቃልሲ፣ ስለምንታይ ኣድልዩ ዝብል ኩሉ ከስተውዕለሉ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ኣፈላላይ ዘርእየና እኹል መረዳእታ ስለ ዝኾነ።

እንተ መራሕቲ ህወሓት ግን፣ ሕዚ ‘ውን እታ ዝፈጠርዋ መሸንቀቖ እናፀበበት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ድሕሪ 25 ዓመት ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክስነድ ኣለዎ ብዝብል ኣብ ዘይሰሪ ኑዛዜ ኣቱዮም፣ ገንዘብ ህዝቢ ግሒጦም ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ እናሽካዕለሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን ኣይፋል ክትብሎም፣ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ይፅውዕ።
             
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ
15 ሰነ 2008 ዓ/ም

No comments:

Post a Comment