Tuesday, June 21, 2016

ልምዓት ኢትዩጵያ ገንዘብ ንምቕራብ ሓላፍነት ብምውሳድ ኣብ 2008 ዓ/ም ነዚ ፕሮግራም መፈፀሚ ተባሂሉ 4.8 ቢልዮን ብር ዝተሰለዐ እኳ እንተኾነ፣ ይኹን 'በር ባንክ ልምዓት ኢትዩጵያ ነቲ ልቓሕ ቡቑዕ ዝኾነ ኢንተርፕራይዝ ኣዳልዩ ከቕርብ ከም ዘይክኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ደቀቕትን ማእኸለወትን ማኒፋክቸሪንግ ኢንድስትርታት ንዝተዋፈሩ ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ንዘጋጥሞም ናይ ማሽነሪግ ሽግራት ንምፍታሕ፣ ባንክ ልምዓት ኢትዩጵያ ገንዘብ ንምቕራብ ሓላፍነት ብምውሳድ ኣብ 2008 ዓ/ም ነዚ ፕሮግራም መፈፀሚ ተባሂሉ 4.8 ቢልዮን ብር ዝተሰለዐ እኳ እንተኾነ፣ ይኹን 'በር ባንክ ልምዓት ኢትዩጵያ ነቲ ልቓሕ ቡቑዕ ዝኾነ ኢንተርፕራይዝ ኣዳልዩ ከቕርብ ከም ዘይክኣለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ መዎዳእታ ኣብ 2 ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኣብ ኢትዩጵያ ናብ 12 ሽሕ ዝፅጋዕ በዝሒ ደቀቅትን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ከም ዘለዋን ነዚአን ብበዝሒ ናብ 3 ሚልዮን ክብ ክብላ ትልሚ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ ይኹን 'በር እቶም ኢንተርፕራይዛት ንመግዝኢ ማሽነርታት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ባንክ ልምዓት ኢትዩጵያ ኣብ ናይ'ቶም ተለቃሕቲ ድልየት መሰረት ብምግባር ማሽናት ንኸቕርበሎም መደብ ተታሒዙ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፣ እንተኾነ ግን እቲ ዝተትሓዘን ዝተብሃለን በጀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ባኺኑ ክተርፍን ክትግበር ብዘይ ምኻኣሉ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ስእነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

No comments:

Post a Comment