Tuesday, June 21, 2016

ካብ ክልል ቤንሻልጉል ጉሙዝ ብወታደራት ደብብ ሱዳን ተጨውዮም ዝውሰዱ ዜጋታትና ቁፅሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።




ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ክልል ቤንሻልጉል ጉሙዝ፣ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ኣሜድላ ዝተብሃለት ምስ ደቡብ ሱዳን እትዋሰን ጣብያ ብወታደራት ሱዳን እናተጨውዩ ዝውሰዱ ወገናትና ቁፅሮም እናወሰኸ ይኸድ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ አባቢ ዝርከቡ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ወገናት  ሲናር ካብ ዝተብሃለ ግዝኣት ደቡብ ሱዳን ዝመፁ ወታደራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 9 ሰባት ጨውዮም ከም ዝወሰዱ ድሕሪ ምግላፅ፣ ናይቲ ክልል መንግስቲ ይኹን ናይ ፌደራል መንግስቲ ንምምላሶም ክሳብ ሕዚ ዝገበሮ ፃዕሪ ከም ዘየለ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እውን 24 ወገናት ካብ ክልል ቤንሻንጉል ተጨውዮም ከም ዝተወሰዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚኦም ንምምላስ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ዝተገብረ ነገር ከም ዘየለን ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቴአን ሃገራት ድማ ናይ ዶብ ምስሕሓብ እናተኸሰተ ይኸይድ ብምህላው፣ እቶም ተጨውዮም ዝተወስዱ ወገናት ንህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከም ዘለው ወሲኹ ኣፍሊጡ።




No comments:

Post a Comment